Eritrea Haddas 28 October 2026
shabait.com/2026/10/28/eritr…
ግህሰት ልኡላውነት ኤርትራን ውድቀት ትረኻታት ስርዓት ብልጽግናን
ዘሚካኤል ገብረክርስቶስ
1. ታሪኻዊ መሰረትን ጭቡጥ ክዉንነትን
ኤርትራ፡ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ውጽኢት መግዛእታዊ ውዕላት ኮይና፡ ካብ 1890 ጀሚሩ በብግዜ ብዝተኻየዱ መግዛእታዊ ስምምዓት (ኣብ 1900፡ 1902፡ 1908) ልኡላዊት ሃገርን ኣብ ካርታ ዓለም ዝቖመትን እያ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ኣብ ካርታ ኣፍሪቃ ትፍለጥ ኣይነበረትን። እቲ ‘ኣቢስንያ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ዞባ፡ ከም ሃገር ተፈላጥነት ዘይነበሮ ኮይኑ፡ ካብቲ ሎሚ ዘላቶ ኢትዮጵያ ንኣዝዩ ድሩት ጂኦግራፊያዊ ክሊ ጥራይ ዘጠቓልል ምንባሩ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ እዋን ፈደረሽን ጀሚሮም፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ግዳም ሓይልታት ተለኣኽነትን ጽግዕተኛነትን ብምምርኳስ፡ ታሪኻዊ መሰረትን ጭቡጥ ክዉንነት ምቛም ሃገራትን ብምጉሳይ፡ ናይ ሓሶት ትረኻታት ብምፍብራኽ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘየቋርጽ ጎንጽታትን ምስሕሓባትን ብምእታው ከዳምዩዎ ጸኒሖም እዮም።
ስለዚ ኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ዝቖመትሉ መስርሕ፡ ብተራ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዘይኮነስ፡ ብውዕላት ሕብረት ኣፍሪቃን ብኣህጉራዊ ሕግታትን ብንጹር ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ሕጂ ሕብረት ኣፍሪቃ)፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ዶባት ከም ዘለዎ ብምልኣት ኣኽቢረን ክቕበልኦ ታሪኻዊ ውሳነ ኣሕሊፈን እየን። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተላዒሉ ዝነበረ ናይ ዶብ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ (2000) ብናጻ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ናይ መወዳእታን ዘይገሃስን ሕጋዊ ብይን ተዋሂቡዎ እዩ። ነዚ ስዒቡ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕጋዊ ውዕላት ብግብሪ ዝቕይድ ሓባራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ተኸቲሙ። ስለዚ፡ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ወደባታን ዝነዝሖ ዘሎ ትረኻታት፡ ነዚ ኣህጉራዊ ውዕላትን ብይናትን ብግሁድ ዝጥሕስ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ዕንደራ እዩ።
እንተኾነ፡ እዞም ወራራት እዚኣቶም እንትርፎ ታሪኻዊ ዕርበቶምን ውድቀቶምን ምቅልጣፍ፡ ዝኾነ ይኹን ዓወታት ዘይተጐናጸፉ ምዃኖም ታሪኽ ዝመስከሮ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘካየዶ መኸተ፡ ኣንጻር ስርዓታትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፤ ኣንጻር እቶም ንመግዛእቲ ዘሳለዩ ርእሰ-ሓያላንን፡ እምበራጦርያዊ ሕልሚ ዘለዎም ዞባውያን ሓይልታትን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ሓይልታት እዚኦቶም ኣብ ባይታ ገጢሙ ብምስዓር፡ ናጽነቱ ዝጨበጠ፡ ልኡላውነቱን ህላውነቱን ብቕልጽሙ ኣህጉራዊ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ዘውሓሰ ጽኑዕ ህዝቢ እዩ።
2. ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መዋቕራዊ ፍሽለትን ውሽጣዊ ቅልውላውን
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝረአ ዘሎ ቀጻሊ ቅልውላው ብቐንዱ እንተተገምጊሙ፤ ውጽኢት ናይ’ቲ ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ምህናጽ ዘጋጠመ መዋቕራዊ ፍሽለትን ውድቀትን ምዃኑ ፖለቲካውያን ተንተንትን ምሁራትን ዝሰማምዕሉ ግሁድ ሓቂ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ፡ ኣብታ ሃገር ብተኸታተልቲ ስልጣን ዝሓዙ ስርዓታት፡ ካብ ዓሌታዊ፣ ኣስፋሕፋሕን ከፋፋልን ፖለቲካዊ ስትራተጂታት ወጻኢ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ከጠምር ዘኽእል ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ራእይን ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ መንነት ክሃንጹ ብዘይምኽኣሎም እዩ። ኢትዮጵያ ብሰንኪ መራሕታ ክፈጥሩዎ ዝጸንሑ ሓቀኛ ክዉንነት ዝጎደሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሊ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከም ሓንቲ ኣብነታዊትን ዓባይን ሃገር ክትውሰድ ጸኒሓ እያ። ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ግና ውሽጣዊ ሓድነታ ዝተናወጸ፡ ሓባራዊ ጠማሪ ሃገራዊ ባእታታት ዘይብላ፡ ኣብ ኣፍደገ ምጒዝዛይን ምፍንጫልን ትርከብ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ካብ ሕሉፍ ታሪኽን ስትራተጂያዊ ጌጋታትን ናይቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ዘይተማህረ ናይ ሎሚ ስርዓት “ሰልፊ ብልጽግና”፡ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ሰንኩፍን ከፋፋሊን ፖሊሲታት፡ ነታ ሰላም ርሒቑዋ ዘሎ ኢትዮጵያን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምዝራግ ይህንደድ ኣሎ። ሰላምን ርግኣትን ተነፊጉዋ፡ ህዝባ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ህልውና ወጥርን ዓሚቝ ድኽነትን ወዲቑ ይርከብ። ኣብ’ዚ ህሉው እዋን፡ መንግስቲ ብልጽግና ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ዝግባእ፤ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ጠንቂ ዘይምርድዳእን ግጭትን ኮይኑ ዘሎ ዓሌታዊን ብሄራዊን ፖለቲካዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ንነዊሕ ዝጠመተ ሓድሕዳዊ ምጽዋርን ምክብባርን ዝሕላገቱ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምፍጣር፡ ሰላምን ርግኣትን ናይታ ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ።
ኢትዮጵያ እትውንኖ ግዙፍ ጸጋ ዓቕሚ ሰብን ባህርያዊ ሃብትን ንረብሓ ህዝቢ ንምውዓል፡ መንግስቲ ካብ ግዳማዊ ጽግዕተኛነት ዘናግፍ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክኽተል ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰቱ ፍጹም ውሽጣዊ ሽግራት፤ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን (IMF) ባንክ ዓለምን (World Bank) ብዘበርክትዎ ቢልዮናት ዶላራትን፡ ብዝውጥንዎ ግዳማዊ ቁጠባዊ ምዕሪታትን ጥራይ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ስርዓት ብልጽግና ግና ንውሽጣዊ ጠለባትን ሕቶታትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምምላእ፡ ወተሃደራዊ ወፈራታትን ናይ ወጻኢ ጸላእቲ ከምዘለውዎ ኣምሲሉ፡ ነቲ ጸይኑዎ ዝርከብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስሓትን ንምቕሻሽን ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልቲ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
3. ኣስፋሕፋሕቲ ትረኻታትን ስኑዳት ግህሰታትን
ስርዓት ብልጽግና፡ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዘለዎ ፖለቲካዊ ባህጊ ንምትግባር፡ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት ክጥቀም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሰበ-ስልጣን ናይቲ ስርዓት፡ ንቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ንምቁጽጻር ኣመልኪቶም ብተደጋጋሚ ክህቡዎ ዝጸንሑ መግለጺታትን መደረታትን፤ ንልኡላውነትን ምሉእ ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብቐጥታ ዝደፍርን ከቢድ ስግኣት ዝፈጥርን ዝተወሃሃደ ውጥን ምዃኑ ይፍለጥ። ገለ ካብቲ ብሰበ-ስልጣን ብልጽግና ብወግዓዊ ደረጃ ዝተገልጹ ወራራዊ ውጥናት ውሑዳት ንምጥቃስ፦
1. ሓምለ 2023፦ መራሒ ስርዓት ብልጽግና ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ዘቕረቦ መደረን፡ ጸኒሑ እውን ንህዝቢ ኣብ ዝተዘርግሐ መግለጺ፤ ቀይሕ ባሕሪ “ባህርያዊ መሰል ኢትዮጵያ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መፍትሒ እንተ ዘይተረኺቡ ወተሃደራዊ ጎንጺ (ኲናት) ዘይተርፍ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
2. 7 ጥቅምቲ 2023፦ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ “ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ንዓመታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ (ምጽዋዕ/ዓሰብ) ኢና ከነኽብሮ” ብምባል፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንምግሃስ ዘለዎም ውጥን ብግሁድ ኣንጸባሪቑዎ።
3. ለካቲት 2025፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን ሶማልን፡ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ናብ ክሊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዘጠቓለለ ዘይሕጋዊ ካርታ ብወግዒ ኣቕሪቦም።
4. 2 መስከረም 2025፦ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ “ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ እዩ፡ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ክንመልሶ ኢና፤ ወደብ ዓሰብ እውን ኣካል ክልል ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ እያ” ብምባል ልኡላዊ መሰል ኤርትራ ዝግህስ ተጻብኦ ኣስሚዑ።
5. 27 መስከረም 2026፦ ምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ፤ “እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ኣብኡ ከምዘየብቅዕ... መወዳእታ ዕላማና ወደብ ዓሰብ እያ፤ ናይ መወዳእታ ሸቶና ድማ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምትካል እዩ ብምባል፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ወራር ንምክያድ ዘለዎ ወተሃደራዊ መደብ ብወግዒ ኣዊጁ።
4. ኣህጉራዊ ሕግታትን መሰል ርእሰ- ምክልኻል ኤርትራን
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነዚ ብስርዓት ብልጽግና ዝድሰቕ ዘሎ ዳንኬራ ኲናት ዝድርኽ ዝኾነ ይኹን ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ዘምርሕ ክልተኣዊ ጉዳይ ከምዘየለ ግሁድ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር፡ ስርዓት ብልጽግና ኣንጻር ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ቅሉዕ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ፤ ዕላማታትን ባህግን ናይቶም ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘለዉ ወደባት ክቆጻጸሩን ከስፋሕፍሑን ዝደልዩ ዞባውያን ሓይልታት ንምትግባር ዝዓለመ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅሉዕ ናይ ወራርን ጥፍኣትን ኲናት ብምእዋጅ፡ ህይወትን መጻኢ ዕድላት ንጹሃን ዜጋታትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
ብኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት፡ ዝኾነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፡ ብዘይ ሕጋዊ ስምምዕን ፍቓድን ናይታ ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ሃገር፡ ብሓይሊ ይኹን ብጸቕጢ ናይ ባሕሪ ዋንነት ክትረክብ ይኹን ተጠቃሚት ክትከውን ፍጹም ኣይፍቀደላን እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ኣስፋሕፋሒ ትምኒት ንምትግባር ዝግበር ፈተነ፤ ነቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸበ ልኡላዊ ዶባትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ሃገራት ብግሁድ ዝግህስ ተግባር እዩ። ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2 (4) ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ካብ ምጥሓስ፣ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ወይ ብሓይሊ ካብ ምፍርራሕ ክሕየባ ዘስገድድ እዩ። ስርዓት ብልጽግና ዘካይዶ ዘሎ ቅሉዕ ናይ ዘመተን ምፍርራሕን ተግባራት፡ ነዚ መሰረታዊ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ብግሁድ ዝግህስን ንሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘእቱን እዩ።
ብኣንጻር ናይዚ፡ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ጀሚራ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ዝተኣሳሰራሉ ሓያል ዞባዊ ውህደት ንምፍጣር፤ ኣብ ናጽነት፣ መሬታዊ ምሉእነት፣ ምኽባር ልኡላውነት፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታውን ብሽርክነት ንሓባራዊ ረብሓ ምስራሕን ኣሚና ብትግሃት እትሰርሕ ዘላ ልኡላዊት ሃገር እያ። ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር፡ ናታ ዶባት፡ ባሕርን ኣየርን ናይ ምውሓስን ምሕላው ኣህጉራዊ መሰልን ግዴታን ዘለዋ ምዃኑ ብምግሃድ፤ ዝኾነ ይኹን ከምዚ ዓይነት ዕንደራ ዝተሓወሶ ዕብዳን ተቐባልነት ከምዘይብሉን፡ ሃገራዊ ርእሰ- ምክልኻል ውሑስ መሰል ምዃኑን ዘረጋግጽ እዩ።
5. መደምደምታን ቀጻሊ መኸተን
ከም’ቲ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ናጽነትና ብሸሓኒ ወርቂ ገይሩ ከም ህያብ ዘቐበለና የሎን” ዝበሎ፤ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ በብመድረኹ ዝገጠምዎ ናይ ህላወ ሕቶታትን ጽንኩራት ፈተነታትን መኪቱ፡ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ብኽቡር ደሙን ብሓይሊ ቅልጽሙን ዘረጋገጸ ጽኑዕ ህዝቢ ከም ምዃኑ፡ ሎሚ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዘመስከሮ፡ ዝፍጠሩ ጽንኩራት ፈተነታት መኸተ ዝእግሞ ህዝቢ ኣይኮነን። እዚ ካብ ታሪኻዊ ውድቀትን ዕርበትን ናይቶም ዝሓለፉ ወረርቲ ስርዓታት ዘይተማህረ ናይ ሎሚ ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና፡ ነዚ ዘውዲ ሓቂ ዝኾነ ልኡላውነት ኤርትራ ክትንክፍ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት መወዳእታኡ ውድቀት ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብባዶ ፈኸራን ዋጭዋጭታን ስርዓታት ኢትዮጵያ ተሰናቢዱ ካብ ሃገራዊ መኸተኡ ተሰናኺሉ ኣይፈልጥን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብስርዓት ብልጽግና ዝግበር ዘሎ ናይ ኲናት ዳንኬራን ተጻብኦን፡ ልክዕ ከምቲ “እቲ ከልቢ ይነብሕ እቲ ገመል ግና ቀሲኑ ጉዕዞኡ ይቕጽል” ዝበሃል ግብራዊ ብሂል ኣቦታት፤ ንመትከል፣ ምርግጋእን ናይ መወዳእታ ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ዝቕይሮ ከቶ ዋላ ሓደ ሓይሊ የሎን።
Eritrea Profile 21 October 2026
shabait.com/2026/10/28/eritr…
Haddas Ertra 27 October 2026
shabait.com/2026/10/28/hadda…
Eritrea Alhaditha 27 October 2026
shabait.com/2026/10/28/eritr…
Ministry of Information, Eritrea retweeted
The Potemkin Party continues to double down on its campaign of war and unremitting hostility against Eritrea by dwelling on revisionist historical narratives and the deplorable denigration of Eritrea's legitimate, decades-old, process of decolonization achieved through unparalleled and precious sacrifices.
In this vein, one of PP's official mouthpieces - Fana Broadcasting Corporation - disparages, on its X account today, Eritrea's overall development policy and what it dubs as "stagnation of Assab".
Furthermore, it laments the loss of "Ethiopia's Red Sea coastline", due, in its warped mind, "to conspiracy of external adversaries".
These pitiful diatribes are symptomatic of the incurable war psychosis that has gripped the Potemkin Party for years now.
Indeed, it is obvious that the PP will require massive reconfiguration in its mindset/soft-ware for reason and sanity to prevail.
As it is, the antidote for its multi-layered malaise does not lie in the propagation of revisionist history; and/or in the flagrant violation of foundational pillars and principles of international law.
The fact is:
1. A regime that is presiding over an ailing economy where 68.7% of the population are classified as "multidimensionally poor" (WB terminology) in spite of massive international assistance; and,
2. That is seething under interminable internal costly conflicts of its own making;
is not in a position to pontificate to its neighbours about astute development policy or the fostering of good-neighborly ties anchored on mutual respect of each other's sovereignty and territorial integrity.
xitter.cf/hawelti/status/1970139…
The obsession/political frenzy of PP (aka Potemkin Party) officials to manufacture a non-existent regional crisis in pursuit of toxic and illicit "sovereign access to the sea" is perhaps at its zenith these days.
The barrage of daily disinformation/provocation whose hallmarks are:
i) stale revision and distortion of Eritrea's history (statements at Ceremony on "Promotion" of the regime's top military brass on Saturday);
ii) willful intent to tamper with cardinal principles of international law, including the sanctity of colonial boundaries; and,
iii) reckless saber-rattling;
belie the misguided priorities of a regime bent on incubating regional crises to deflect attention from its multiple domestic challenges.
The Horn of Africa Region does not need or deserve another bout of unnecessary and avoidable conflict and turmoil; afflicted as it is by a plethora of other debilitating problems. This is the unequivocal message that should be conveyed - in no uncertain terms - by all those who harbour sincere wishes for the welfare of the peoples of the region.
xitter.cf/hawelti/status/1965070…
ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ
መኮነን ሺሻይ
ብመንጽር ዝነብሩዎ ሰፈራታት፡ ዓሳታት ባሕሪ ‘ፐላጂክ’ን ‘ደመርሳል’ን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። ‘ፐላጂክ’ ማለት ልዕሊ ባይታ ባሕሪ ዝርከብ ክፋል ወይ ቀጸላ ማይ ክኸውን እንከሎ ‘ደመርሳል’ ድማ፡ ታሕታዋይ ባይታን ከባቢኡን ዝርከብ ኣካል ባሕርን ውቅያኖሳትን’ዩ።
ፐላጂክ ዓሳን ደመርሳል ዓሳን ኣብ’ዚ ክፋላት ናይ ማይ ዝነብሩ ዓሳታት’ዮም። ኣብ መሬት ዝዓበየ መቓምጦ/ሰፈራ ምዃኑ ዝንገረሉ ‘ፐላጂክ’ 1,370 ሚልዮን ኪ.ሜ ኲብ ቅጺ ክህልዎ እንከሎ፡ 11% ናይቶም ፍሉጣት ዓሌታት ሰፈር እዩ።
ከም በለም (ሳርዲን)፡ ወዚፍ (ኣንቾቪ)፡ ሀሪንግን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ክዀኑ እንከለዉ - ከም ዴራክ፡ በያድ፡ ቱና፡ ሻርክ ዝኣመሰሉ ድማ፡ ዓበይቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ እዮም። ቸርንያ፡ ቦሃር፡ ሽዑር፡ ምዐዝን ካልኦትን ድማ ደመርሳል ወይ ዓሳታት ባይታ ባሕሪ ይበሃሉ።
እዚ ሎሚ ከነልዕሎ መሪጽና ዘለና ኣርእስቲ እምበኣር፡ ሓፈሻዊ ኣምራት ንኣሽቱ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ማለት ሳርዲን፡ ኣንቾቪን ሀሪንግን እዩ። እዞም ዓሌታት ዓሳታት መግቢ ናይ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓሳታት ብምዃኖም፡ ኣብ ምሕላው ሚዛን ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ልዑል ተራ ኣለዎም።
መብዛሕትኦም ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ዝበዝሐ እዋናት ኣብ ኢፒፐላጂክ ዘሎ ቀጸላ ማይ ይነብሩ። ቀጸላ ኢፒፐላጂክ፡ “ብብርሃን ዝበጽሖ ዞባ (photic zone)” ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ’ዚ ቀጸላ ማይ ጸሓይ ብርሃን ኣብ ጽሩይ ማይ ክሳብ 200 ሜ. ክበጽሕ ይኽእል።
እዞም ደቀቕቲ ዓሳታት ዝምገብዎም ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ (phyttoplankton) ይምገቡ። እዞም ኣትክልቲ መግቦም ንኸዳልዉ እኹል ናይ ጸሓይ ብርሃን ስለ ዘድልዮም ኣብዚ ዞባ ተሓጺሮም ክነብሩ ይግደዱ። ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ከከም ኵነታት ባሕሪን ህላወ ዓይነት መግብን ብኽልተ ኣገባባት ክምገቡ ይኽእሉ።
‘ኮፖፖድ’ ዝበሃሉ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ እንስሳታትን ዕጸ/ዕሸላት (larva) ናይ ዝተፈላለዩ ዓሳታት ኣብ ዝበዝሓሉ ወይ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ኣብ ዝውሕዱሉ እዋናት፡ እዞም ዓሳታት ኣብ ከባቢኦም እናዛወኑ፡ ነዞም እንስሳታት ብምልቃም ክዕንገሉ ይኽእሉ። እዞም ዓሳታት ብዓቢ ዕስለ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብቐጻሊ ይሳግሙ። መብዛሕትኡ እዋናት ኣብ መንጎ ዝፋረዩሉን ዝምገቡሉን ቦታታት ክሳግሙ ይረኣዩ።
እኹል መዓድንን ጸሓይ ብርሃንን ኣብ ዝህልወሉ ወቕቲ፡ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ብቐሊሉ ስለ ዝስስኑ፡ ደቀቕቲ ዓሳታት እኹል መግቢ ክረኽቡ ይኽእሉ። እዞም ደቀቕቲ ዓሳታት ድማ ኣፎም ከፊቶም ንቕድሚት እናሓንበሱ፡ ማይ ባሕሪ ብኣፎም ኣቢሉ ብነፋዮም ብምውጻእ፡ በቲ መኹባዕቲ ዝመስል ንነፋዮም ምስ ማይ ባሕሪ ተለኪሞም ዝኣተዉ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ እናዘቖቑ ይምገቡ።
ፍርያምነት ናይ ዝዀነ ማያዊ ኣካል ብህላወን ብዝሕን ናይ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ይውሰን። ኣብ ባሕሪ እኹል ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ምልክት ብዝሒ ንኣሽቱ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ’ዩ። ብተዘዋዋሪ መገዲ ፍርያምነት ባሕሪ ናይ’ዞም ዓሳታት ክፍለጥ ይከኣል።
ኣብዚ እዋን ፍርያምነት ናይ ሓደ ማያዊ ኣከባቢ፡ ካብ ሳተላይት ብዝርከብ ናይ ማያት ስእልታት ብቐሊሉ ክፍለጥ ይከኣል። ብዝሒ ህላወ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ብሳተላይት ብቐሊሉ ክልለ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ኣብ መስርሕ ምፍላጥ ፍርያምነት ባሕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎም። ገማግም ፔሩ፡ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ፡ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዛጊት ልዑል ፍርያት ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ዘለዎም ክፋል ማያዊ ኣካል ምዃኖም ይፍለጥ።
ብመሰረት 2024 ዓ.ም ጸብጻብ ትካል ውድብ መግብን ሕርሻን ዓመታዊ ኣስታት 22 ሚልዮን ቶን ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ተገፊፎም፡ ንዝተፈላለዩ መዓላታት ከም ዝውዕሉ ይፍለጥ። ከምኡ’ውን እቲ ውድብ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ዳርጋ 25% ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዓሳታት ተመዝሚዞም ወይ ተጓሕጒሖም ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ገለ ክኢላታት ናይዚ ዓውዲ ብዛዕባ ጸጋታት ዓሳ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብሓፈሻ ጸጋታት ዓሳ ዓለም ክሳዕ ጥርዚ ተመዝሚዙ ከም ዘሎ ይሕብሩ። ጠንቂ ናይ’ዚ መጠኑ ዝሓለፎ ብዝሒ ገፈፍቲ መራኽብ ምውፋር፡ ብዘይዓቐን እጃም ዝግፈፍ ዓሳ ምውዛዕ፡ ህላወ ናይ ዘይሕጋውያን ምግፋፍ ዓሳን ዘይቅርዑይ ምሕደራን ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ንኣብነት ኣብ 1950 ስራሓት ዓሳ ሳርዲን ካሊፎርንያ፡ 1960 ስራሓት ዓሳ ሀሪንግ ኣትላንቶ-ስካንዴን፡ 1972 ስራሓት ዓሳ ኣንቾቪ ፐሩቭያን ምሉእ-ብምሉእ ዝዓነዋ ትካላት ንዓለም መምሃሪ ክዀና ይግባእ።
ልክዕ’ዩ ጸጋታት ባሕሪ ዓለም ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምድንፋዕ ቍጠባን ናይ ሓንቲ ሃገር ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። እንተዀነ ቀጻልነቱ ብዘውሕስን ንወለዶታት ከም ዝሓልፍ ገይርካ ምጥቃም ዝበለጸን ዘየሻሙን’ዩ። እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ጠንቂ ምንቍልቋል ብዝሒ ናይ’ዞም ዓሳታት ‘ኢል-ኒኖ’ ዝተባህለ ዘይንቡር ምቅይያር ኵነታት ኣየር’ዩ። እዚ ዓይነት ኵነታት ምቅይያር ብቐጥታ ንብዝሕን ህላወን ንመግቢ ናይቶም ንኣሽቱ ዓሳታት ዝዀነ ደቀቕቲ ኣንሳፈፍቲ ኣትክልቲ ባሕሪ ብምብዳም፡ እዞም ዓሳታት ጠቕላላ ከም ዝውድኡ ይገብር።
ልዕሊ 60% ካብ ጸጋታት ምህርቲ ዓሳ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ በዞም ዓይነት ዓሳታት ይውከል። እዚ ማለት ኣብ ዓመት ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣስታት 50 ሽሕ ቶን ምህርቲ ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ክሕፈስ ይከኣል ከምኡ’ውን፡ ነቲ ዝተሓፈሰ ምህርቲ ባሕሪ ብቐሊሉ ክትክኦ ይኽእል።
እዚ ብዝሒ ህላወ ናይ ገዛእ ርእሱ ብልጫ ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ ከም ብልጫ ዝረአ፡ ነዞም ዓሳታታ ‘ፐርሰነር’ ወይ ‘ሽንሽላ’ ብዝበሃል ዓይነት ኣጋፍፋ ተገፊፎም፡ ኣብ ጸሓይ ወይ መንቀጺ ማሽን ብምንቃጽ ብቐሊሉ ተዳልዩ ናብ ዓማዊል ክቐርቡ ዝከኣል ብምዃኖም’ዩ። ምኽንያቱ ካልኦት ዓይነት ዓሳታት ተገፊፎም ናብ መወዳእታ ተጠቃማይ ክበጽሑ፣ ገዚፍ ወፍሪ ዝጠልብ መስርሕ ብምዃኑ’ዩ።
“ሽንሽላ” ዝበሃል ዓይነት ኣገባብ ኣጋፍፋ ኣብ ቀረባን ዓመቝትን ባሕሪ ዝድርበ ለቖታ ሰኪዐት ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ደቀቕቲ ዓሳታት ከም ብዓል ወዚፍን በለምን ወቕታውያን ብዕስለ ዝጐዓዙ ዓሳታት ንምሓዝ ይጠቅም። ብለይቲ ዝካየድ መስርሕ ሽንሽላ ብመብራህትታት ንኣሽቱ ጀላቡ ተሓጊዙ ዝካየድ ኰይኑ፡ ጕጅለ ዓሳታት ዘሎዎ ቦታታት ብ’ኢኮሳውንደር’ ዝበሃል መሳርሒ ድሕሪ ምልላይ መስርሕ ኮለላ ሰኪዐት ይጅመር።
ለቖታ ሰኪዐት ምስወጸ ብቐጥታ ዓሳታት ‘ብስኩፕ ኔት’ ወይ ብመግሓጢ ሰኪዐት ከም ዝወጽእ ይግበር። በዚ መስርሕ ብዝሒ ዓሳታት ስለ ዝወጽኡ ገፈፍቲ ዓሳ ተቐላጢፎም ከም ዝሓፍስዎም ይግበር። እዞም ዓይነት ዓሳታት ንመግቢ ደርሁን ጤለ-በጊዕን ዝምስርሑ ኰይኖም፡ ኣብ ጥቕሚ ሰብ ንምውዓሎም፡ ሓያል ጻዕርን ፈተነን ይግበር ኣሎ።
ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ብፍላይ በለምን ወዚፍን፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ግዜ ሓጋይ ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክሳዕ መጀመርያ ግንቦት ካብ ማእከላይ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ናብ ገማግም (ጥቓ መሬት) ይሳግሙ።
ዛጊት ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ንንግዳዊ መዓላ ክውዕሉ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ዓሌታት በለምን ክልተ ዓሌታት ወዚፍን ተለልዮም ኣለዉ። ነፍሲ-ወከፍ ወቕቲ ዓቢ ዕስለ በለም ናብ ገማግም ዳህላክ ብምምጻእ ይጅምር። ወዚፍ ድማ፡ ድሒሮም ካብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናብ ገማግም መሬትን ደሴታትን ክቕልቀሉ ይጅምሩ። በዚ ምኽንያት፡ ወቕቲ ኣዝመራ ናይ ‘በለምን ወዚፍን’ ክበሃል ይከኣል።
ኣብዘን ኣዋርሕ መቓምጦ ናይ’ዞም ዓሳታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ትሕቲ 25 ሜ. ዘሎ ዕምቈት ኰይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ክሳብ ጢዖ ኣብ 1960ታት ዓ.ም ብልምዳዊ ኣገባባት ይግፈፉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ደቡብን ሰሜንን መትረብ ምጽዋዕ ኣብ ቀንዲ መግፈፊ ባይታታት ወሽመጥ ዙላ ኢራፋይለን ማልካቶ ከምኡ’ውን፡ ወሽመጥ ሕርጊጎ፡ በለምን ወዚፍን ብብዝሒ ይግፈፉ ከም ዝነበሩ ይሕበር። ኣብ ደሴታት ዳህላክ እንተዀነ’ውን ጆሮም፡ ሃዋጢብ፡ ኩባሪ፡ ቶር፡ ሕርሚልን ኖራን እዞም ዓሳታት ብብዝሒ ይግፈፉ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ይሕብሩ።
ኣብዚ እዋን ምህርቲ በለምን ወዚፍን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከምቲ ዝድለ ንኸይግፈፉ ዝገብሩ እዋናዊ ብድሆታት ኣለዉ። ገፈፍቲ ዓሳ ልምዳዊ ኣገባብ ኣጋፍፋ ብልምዳውያን ጀላቡ ሳንቡክን ሁሪን ስለ ዝጥቀሙ፡ ብሰንኪ ማዕበል ባሕሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማይል (1.6 ኪ.ሜ) ዘይርሕቕ ገማግም ተሓጺሮም ክገፍፉ ይግደዱ። ከም ሳዕቤኑ፡ ከምቲ ዝድለ ብዝሒ ዓቐን ክሕዙ ኣይክእሉን።
ከምኡ’ውን ደረጃ ንቕሓት ኣብ ገማግም ይዅን ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝነብሩ ሕብረተ- ሰባት ብዛዕባ’ዞም ዓሳታት ድሩት ብምዃኑ፡ ከምቲ ዝድለ ጠለብ ክህልዎ ኣይክእልን። እቲ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ፡ እዞም ዓሳታት ወቕታውያን ብምዃኖም፡ ብልክዕ መዓስ ይራብሑን ይሳግሙን ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ብዘይምህላዉ ኣብ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።
ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ቀንዲ ምንጪ ዝተፈላለዩ መኣዛታት ከም ኦሜጋ 3 ፋቲ ኣሲድ፡ ቫይታሚን ቢ-12፡ ማዕድናት ካልሽየም፡ ፖታሽየም፡ ፎስፈርስ ወዘተ ብምዃኖም ኣብ ጥዕናን ህንጸት ኣካላት ደቂ-ሰብ ዕዙዝ ተራ ይጻወቱ። ስራሓት ዓሳ ኤርትራ ከምቲ ኩሉ ጽላታት ብግዕዙይ ምሕደራ ዛሓለፉ ገዛእትን ድሒሩ ብዝመጸ ኲናትን ካልኦት መሰናኽላትን ተሃስዩ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ከምቲ ዝድለ ቀረብ ዓሳ ኣሎ ክበሃል ኣይድፈርን።
እንተዀነ እዚ ዕቑር ጸጋታት ሃብቲ ባሕሪ ብፍላይ ደቀቕቲ ዓሳታት ላዕለዋይ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ መጻኢ፡ ብግቡእ እንተ ተመሓዲሩን ተመዝሚዙን፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምሕዋይ ቁጠባ ሃገርን ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ቀሊል ኣይኰነን።
ነዚ ዓርሞሽሽ ጸጋታት ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ መኣዛዊ መግብን ምድንፋዕ ቍጠባ ሃገርን እጃሙ ንምብርካት ኣብዚ እዋን ሚኒስትሪ ብፖሊሲ ደረጃ ቀዳምነት ሂቡ ንምዕዋቱ ሓያል ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ዓቢ ወፍሪ ኣበጊሱ ይርከብ።
President Isaias Afwerki arrives in Moscow
President Isaias Afwerki arrived in Moscow this morning to participate in the Third Russia-Africa Summit, which will be held from 28 to 29 October.
The Summit will focus on cooperation in the areas of the economy, investment, trade, energy, food security, agriculture and security.
On the sidelines of the Summit, President Isaias will also meet with President Vladimir Putin to discuss the strengthening of bilateral ties and other matters of mutual importance.
The Presidential delegation includes Mr. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs.
The first Russia-Africa Summit was held in October 2019 in Sochi, while the second Summit was held in Saint Petersburg in July 2023 under the theme “For Peace, Security and Development.”
Public seminars for diaspora nationals in various countries
Nationals residing in Germany, the UK, Zambia and the US have held public seminars focusing on the objective situation in the homeland in relation to regional and global developments.
At the seminar held in Wuppertal, attended by nationals from the German cities of Düsseldorf, Kellen, Wuppertal, Bielefeld, Bonn, Krefeld and Dortmund, Mr. Teame Haile, head of Public and Community Affairs at the Eritrean Embassy in Germany, underlined that Eritrea’s history of resilience and perseverance attests to the strength and steadfastness of the Eritrean people.
Mr. Kibreab Tekeste, Eritrea’s Consul General in Frankfurt, said that nationals have a timely responsibility to demonstrate their readiness to foil external hostilities and aggression by consolidating their unity, as they have in the past, and relying on their own capacity.
Denouncing all forms of hostility directed against Eritrea’s sovereignty and territorial integrity, the participants expressed their resolve to stand firmly alongside their Government and Defense Forces and contribute to the successful implementation of national resilience programs.
In the same vein, at a seminar attended by nationals residing in London and its environs, Mr. Saleh Abdella, Chargé d’Affaires at the Eritrean Embassy in the UK and Ireland, Mr. Tewolde Yohannes, head of Public and Community Affairs, and Mr. Suleiman Hassan, head of Consular Affairs, gave briefings on the objective situation in the homeland as well as regional and global developments.
The participants, for their part, expressed their readiness to play their due role in national affairs.
Similarly, at a seminar in Lusaka, Zambia, Mr. Gebrehiwet Petros, chairman of the Eritrean Community, provided a briefing on the objective situation in the homeland, regional and global developments, and the timely responsibilities of nationals in national affairs.
The participants expressed their readiness to strengthen their organizational capacity and unity and play their due role in national affairs.
Likewise, nationals residing in Washington, DC, and Philadelphia held similar public seminars.
At the seminar in Washington, DC, Mr. Berhane Gebrehiwet, Chargé d’Affaires at the Eritrean Embassy, explained the causes of instability in neighboring countries and the wider region and called on nationals to enhance their awareness and strengthen their contributions.
At the seminar in Philadelphia, Ms. Hadnet Keleta, head of Public and Community Affairs, provided a similar briefing.
Reiterating their steadfast support for the Eritrean Government’s position, participants at both seminars expressed their resolve to direct their attention and capabilities towards defending their country’s sovereignty and territorial integrity.
ርእሰ ዓንቀጽ
መኸተ ከም ባህልን ክብሪን
ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጻባኢ ባህርይ ዘይብሉ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ ጭዋ ህዝቢ’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኡን ጸጋታቱን፡ ብዓቢኡ ግን ብዘይምኽኑይን ዘይሕጋውን ሸውሃት ናይ ቀረባን ርሑቕን ገበትቲ፡ ህላወኡ ንምርግጋጽ - ኢዱ ከይሃበ ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ መኸተ ክጽመድ ዝተገደደ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ዘመን ናይ’ዚ ዞባ’ዚ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም’ዚ ሎሚ ንፈልጠን ከይቈማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ኩርናዓት፡ እንተላይ ካብ ስግር ባሕሪ ብምምጻእ ዝፈታተንዎ ዝነበሩ ወረርቲ እናመከተ፡ ንስለ ሰብኣዊ መሰሉን ክብረቱን ዘካየዶ ናይ “ኣይግዛእን!” “ኣይርገጽን!” ሓርበኛነት፡ ስኑድን ዘሐብንን ታሪኽ’ዩ።
ኤርትራ ከም ሃገር ድሕሪ ምቛማ’ውን፡ ዝሓለፋ ልዕሊ 100 ዓመታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ - መዋእል ቃልስን መኸተን ኣንጻር ወረርትን መስፋሕፋሕትን’የን ነይረን። ኣብ’ዘን ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ከከም ዝመጾ በዲሁ ክዕወት ዝኸኣለ ድማ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ መኸተ ከም ባህልን ክብሪን ስለዘማዕበለን ስለዝረዓመን’ዩ። ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ጸጥታዊ፡ ብቐንዱ ድማ ነብስኻ ናይ ምክልኻል - ኣብ ንቕሓት፡ ሓድነትን ተሳታፍነት መላእ ህዝቢን ዝተመርኰሰ ወተሃደራዊ መኸተ።
መኸተ፡ ካብ ስነ-ልቦና ይብገስ፣ ብእምነት ድማ ይድራዕ። እምነት ከኣ መሰረት ዓወት’ያ። እቲ ትማሊ “ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ” ኢሉ፡ ኣብ ባዕሉን ውሽጡን ኣሚኑ ተኣምር ሰሪሑን ዋጋ ከፊሉን ናጽነቱን ልኡላውነቱን - ብዓቢኡ ድማ ሰብኣዊ ክብሩ ዘረጋገጸ ህዝቢ፡ ሎሚ’ውን ነቲ ባህሊ ኣብ ኩሉ መዳያት ይደግሞ ከምዘሎ፡ ኣብ ጉዕዞ 35 ዓመታት ናጽነት ዝተሓልፈ መድረኻት ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ፡ ብታህዲድን ፈኸራን ዝተሰነየ ናይ “ጠሓርኩኹም፣ ወሓጥኩኹም” ቅሉዕ ተጻብኦታት ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዝተኸስተሉ’ውን እንተዀነ፡ እቲ ባህልን ክብሪን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ’ዩ ብግብሪ ተመስኪሩ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ በቲ ምትዅታዃት ከይተረበጹ፡ ግን ከኣ ዕዮ ገዝኦም ከይረስዑ ንኹሉ ብትኩርነት ክከታተሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ህዝባዊ መኸተ ድማ ናይ’ዚ መርኣያ’ዩ።
ኣብ’ዚ ሕግን ፍትሕን ብሓይሊ እናተጓዕጸጸ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኣብ ሓደጋ ዝወድቀሉ ዘሎ ናይ ባህሊ ዓሳ ዘመን፡ እቲ ንቑሕ፡ ድልውን ኣብ ነብሱ ዝተኣማመንን ጥራይ’ዩ ክሰርር ዝኽእል። ስለዝዀነ፡ ሕጂ’ውን እምነትና፡ ንቕሓትናን ስጡም መኸተናን’ዩ እቲ ዋሕስ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ፕሮጀክትታት
ሃብተሚ ካኤል ዕቝባስላሴ
ስእሊ- ክብሮም ጸሃየ
ኣብ 2026 ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ተሰላሲሎም። ገለ ካብቶም ፕሮጀክትታት ድማ ኣብ መስርሕ ይርከቡ። ምትዕርራይ ጽርግያ፡ ምዝርጋሕ መስመር ኤለክትሪክሲቲ፡ ህንጸት ንግዳዊ ባንክ፡ ህንጸት ህንጻ ኤሪተል፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ገለ ካብቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተሰላሰሉን ኣብ ምስልሳል ዝርከቡን እዮም። ብደረጃ ሃገር፡ ዓበይቲ ካምፓኒታት ኩባንያ ሰገንን ኣስፔኮን ዝተሳተፍኦ ፕሮጀክት እዩ።
ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ 118 ዓድታትን 26 ምምሕዳራት ከባብን ትሓቍፍ። ሳላ’ቲ ዝስራሕ ዘሎ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር ዝገልጽ። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት “ትምህርትን ጥዕናን፡ ዝምስገን እዩ” ድማ ይብል። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐ ምቹእ ጽርግያ ዘይምንባሩ’ዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ካብ ዓዲ ቀይሕ ክሳብ ሰርሓ ዘሎ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ምትዕርራይ ተገይሩሉ ዝሓሸ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ። ሳላ ዝተገብረ ምትዕርራይ፡ ህዝቢ ድሮ ዝሓሸ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ። ናብ መስመር ሰንዓፈ ሰርሓ ዘይመጻ ዝነበራ፡ ሓራት፡ ንኣሽቱ መካይን ብዘይ ዝኾነ ጸገም ይኣትዋ ከም ዘለዋ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ጠቒሱ። “ኣብ መጐዓዝያ ዝነበረ ጸገም ተፈቲሑ ክበሃል ይከኣል” ክብል ድማ ገሊጹ። ኣባል ኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮ መሃንድስ ተወልደመድህን መሓሪ፡ እቲ ጽርግያ ተሃስዩ ስለ ዝጸንሐ ብዝበለጸ ኣገባብ ተዓርዩ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።
ኣብ ህዝቢ ከኣ ዓቢ መስተርሆ ፈጢሩ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ብኮርፖረሽን ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ይሰላሰሉ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ መስመር ኤለክትሪክሲቲ ሰንዓፈ ብጀነተራት ናይ ዓዲ ቐይሕ’ዩ ኣገልግሎት ክረክብ ጸኒሑ። እተን ጀነረተራት ናይ ዓዲ ቐይሕ ሓደስቲ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ጽቡቕ ኣገልግሎት ይህባ እኳ እንተነበራ፡ ምስ ግዜ ግን እናደኸማ ብምምጽአን፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝዀናሉ ደረጃ እየን በጺሐን። ኣብ’ዚ ግዜዚ ግን መስመር ኤለክትሪክሲቲ ዓዲቐይሕ ሰንዓፈ ምስቲ ሃገራዊ መስመር ስለ ዝተሓወሰ ጽቡቕ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።
ሃገራዊ መስመር ኤለክትሪክሲቲ ብሰንዓፈ ኣቢሉ ክሳብ ሰርሓ እዩ ተዘርጊሑ ዘሎ። ልዕሊ 20 ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣብ መስርሕ ምዝርጋሕ መስመር ኤሌክትሪክ ይርከባ። ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክረኽባ እየን። ፍርቂ ብዝሒ ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ምዝርጋሕ ምሉእ ኣገልግሎት ክረክብ እዩ። እተን ዝተረፋ ዓድታት’ውን እናቐረበን ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክኣትወን ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ካልእ ካብቲ ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ኣገልግሎት ባንክ እዩ። ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንዓዲ ቐይሕ እናተመላለሰ እዩ ኣገልግሎት ባንክ ክረክብ ጸኒሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ህንጻ ንግዳዊ ባንክ ይስራሕ ኣሎ። ድሮ ህንጸት ንግዳዊ ባንክ 80 ሚእታዊ ተዛዚሙ ይርከብ። ብዘይካ’ዚ ህንጻ ኤሪተል’ውን 90 ሚእታዊት ተዛዚሙ ይርከብ። ኣብ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ’ውን ዓቢ ኣዳራሽ ተሃኒጹ ኣሎ። ስለዚ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ጽቡቕ ከም ዝርከብ ኣቶ እድሪስ ዓሊ የረድእ። ብዝለዓለ ደረጃ ተደፊኡሉ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ መዋእለ ህጻናት እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ከም ዝኽፈት እዩ ተገይሩ። እቲ ርሑቕ ዓድታት ምስ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘራኽብ ከይተረፈ መዋእለ ህጻናት ተኸፊቱሉ ይርከብ። እቲ ዝተርፍ ስራሕ ብቕዓቱ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር ኣብሪሁ። ብሓፈሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝርግሐ ኣብያተ ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ዘዕግብ እዩ። ኣብ መስርሕ ህንጸት እትርከብ ሓንቲ ትካል ጥዕና’ውን ኣላ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ምግብራ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝለዓለ’ዩ ዝስራሓሉ። ብዘይካ’ዚ ምስ ንህቢ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ። ኣብ ምግብራን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ምስ ግዜ ግን፡ እቲ ፕሮጀክት ናብ ዲጋታትን ከትርታትን ክሰግር ምዃኑ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ኣፍሊጡ። ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንህዝቢ ሽቕለት ኣብ ምፍጣርን ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽን ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ድማ ጠቒሱ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ ኣብ ንህቢ፡ ኣብ ጥሪት፡ ኣብ ደርሁ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ጸቒጦም ክሰርሑሉ ምዃኖም ኣቶ እድሪስ ኣብሪሁ።
ካልእ ኣብዚ ክልተ ዓመት ብዝሰፍሐ ዝተሰርሓሉ፡ ናይ ውልቀ ምግራብ እዩ። ኣብ ዓድታት፡ ነፍሲ ወከፍ ገባር መሬት ተዓዲሉ እዩ። ከረምቲ ከኣ ዝተዋህቦ ተኽሊ ይተኽለሉ። እቲ ገረብ ውልቀ ዋንነቱ እዩ። ብዘይካ ሊሖ ካልኦት ዓድታት ኩለን ተዓዲለን ተኺለን። ሎሚ ዓመት ምስቲ ዝነበረ ዋሕዲ ዝናብ ብዙሕ ከምቲ ዝድለ ኣይከደን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣግራብ እዩ ተተኺሉ። እዚ ድማ ብውልቀ ሰባት፡ ብኮምን ብትካላትን’ዩ ተተኺሉ። እቲ ብውልቂ ዝትከል ዝያዳ ኣድማዒ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ ድማ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገሊጹ። ኣብ ቀጻሊ’ውን ብዝለዓለ ክድፍኣሉ ከም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ካብ ሰንዓፈ- ንዓዲ ቀይሕ፡ ንደቀምሓረ፡ ንኣስመራ ህዝቢ መዓልታዊ ኣገልግሎት ሓራት ይረክብ። ክሳብ ኣምበሰተገለባን እምባሶይራን ዝኸይድ መስመር ኣሎ። ኣብ መስመር ጽርግያ ገሊኡ ዘይምቹእ ናይ ሓመድ ጽርግያ ከም ዘሎ ኣቶ እድሪስ ይገልጽ። ሰንዓፈ- እምባሶይራ፡ ሰንዓፈ- ኣምበሰተገለባ ኣገልግሎት ሓራት ካብ ዝረክብ ከባቢ እዩ። ክሳብ መነኽሰይቶ’ውን ክበጽሕ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። መስመር እንዳ ዳሽምን ዝግፈትን ብሰንኪ ዘይጥጡሕ ጽርግያ ከምቲ ዝድለ ኣገልግሎት ኣይቀጸለን። ብሕጂ ጽገናታት ተኻይዱ ክቕጽል ምዃኑ ኣቶ እድሪስ ኣፍሊጡ። ምብራቓዊ ኣጻድፍ ምቹእ ኣቀማምጣ ስለዘይብሉ በዳሂ ከባቢ እዩ። ምብራቓዊ ኣጻድፍ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣይኮነን፡ ጥርኑፍ ህዝቢ’ውን የለን። እቲ ህዝቡ ፋሕ-ፋሕ ኢሉ’ዩ ዝነብር። ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰ ዘሎ ሕቶ፡ ምጥርናፍ ናይ ህዝቢ ምዃኑ’ዩ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ዝገልጽ። መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንምጥርናፍ ፈተነታት እኳ እንተካየደ፡ ዕዉት ኣይነበረን።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ማይ ሕቶ ክፍታሕ ከም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ከኣ ኣብሪሁ። ኣብ እምባ ሶይራ ማእከላይ ቦታ፡ ዲጋታትን ከትርታትን ክስራሕ ባጀት ተሰሊዑ ከም ዘሎ ኣቶ እድሪስ ኣፍሊጡ። እዚ ናይ ማይ ጸገም ምስተፈትሐ፡ ዝባን እምባሶይራ ሓደ ሓውሲ ከተማ ፈጢርካ እኹል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገሊጹ። ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣገልግሎት ትምህርቲ ከምቲ ዝድለ ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ። ናይ ማይ ሕቶ ፈቲሕካ ሓውሲ ከተማ ፈጢርካ እቲ ህዝቢ ዝጥርነፈሉ መዳይ ምፍጣር ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ማሕበር ኣፍረይቲ ንህቢ ኣሎ። ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ቀንዲ ካብቲ ተታሒዙ ዘሎ መደባት፡ ምፍራይ ንህቢ እዩ። እምባ ሶይራን ሰንዓፈን ቀንዲ ዝፍለጠሉ’ውን መዓር እዩ። እቲ ህዝቢ ንመነባብሮኡ ዝጥቀመሉ ይኹን ናብ ዕዳጋ ኣውሪዲ ኣታዊ ዝረኽበሉ እንተሎ፡ መዓር እዩ። ኣብ መስኖኣዊ ሕርሻ ክኣቱ ኣለዎ ተባሂሉ ኣስታት 250 ሄክታር ዝተጸንዐ ኣሎ። መነባብሮ ንምምሕያሽ ከም መደብ ተታሒዙ ዘሎ መስኖኣዊ ሕርሻ ምዃኑ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሓቢሩ። “ተሳታፍነት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩሉ መዳይ ህንጸትን ልምዓትን ብቃላት ዝግለጽ ኣይኮነን” ብምባል ድማ ንኣበርክቶ ሓይልታት ምክልኻል ይገልጾ ኣቶ እድሪስ ዓሊ።
ኣስታት 1,211 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዋ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ብስፍሓት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ስፍሓት ዝሕረስ መሬት ድማ፡ ከባቢ 16 ሽሕ ሄክታር እዩ። ምቹእ ክሊማ ዝውንን ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ንኹሉ ዓይነት ዘርኢ ዝሰማማዕ እዩ። ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክሳብ 11 ዝበጽሑ ዘራእቲ ይዝርኡ። ብተፈጥሮኣውን ጥንታውን ቦታታት ዘግየጸት ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ እቲ 3,700 ብራኸ ዘለዎ ዝዓበየ ጎቦ እምባሶይራ ኣብ ሕምብርታ’ዩ ዝርከብ። ህዝቢ ንኡሱ ዞባ ሰንዓፈ ዝበዝሐ ብሕርሻ፡ ዝተረፈ ብመጓሰ፡ ብንግዲን ብሽቕለትን ይናበር። ብስኒትን ሓድነትን ዝነብር ህዝቢ’ዩ ዘለዋ። ማእከላይ መጠን ዝናብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዓመታዊ ኣስታት 550 ሚሊሜተር ኣቢሉ ይበጽሕ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ፡ ክሳብ 600 ሚሊሜተር በጺሑ ከም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ጠቒሱ። ኣብ ገለ እዋን ክሳብ ከባቢ ሽሕ ሚሊሜተር ዝበጽሓሉ ግዜ’ውን ኣሎ። ናይ ሎሚ ዓመት ክራማት ግን፡ ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፡ ንጥሙሕ ምስፍሕፋሕን ተጻባኢ ባህርያትን ኢትዮጵያ፡ ልጓም ይገብሩሉዶ ይዀኑ፧
ኣዱሊስ ተወልደ
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዕቑድ ንኣህጉራውያን ትካላት ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘሳትፍ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ክዝከር ከሎ፡ ምውቓዕ ኩነትን ተግባራውነትን ኢና እንዕዘብ። ኣብ ወሰንቲ እዋናት፡ እዘን ኣህጉራውያን ውድባት ንዝተመስረታሉ መትከላት ኣብ ባይታ ከንጸባርቓ ብዘይምኽኣለን ግዳያት ካብ ዝኾኑ፡ ኤርትራን ህዝባን’ዮም። ካብ ኣብ 1940ታት መሰል ንናጽነት ዕሽሽ ምባል፣ ክሳብ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ውሳነ ዶብ ክትግበር ዘይምኽኣል፡ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብዘን ውድባት፡ ናይ ተኣማንነትን ዘይሻራዊ መርገጽን ሕቶ፡ ከምኡ’ውን ንኣተገባብራን ኣካይዳን ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ’ዩ።
ሰልፊ ብልጽግና ተጻባኢ ባህርያቱ እናዓበየ፡ ግዝኣት ጎረቤት ሃገር ክጎብጥ ህርፋኑ ጥርዚ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ እዋናዊ ፈተና ገጢምዎ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምግታእ ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ድዮም፧ ወይስ ከም ደግሲ ሕጂ’ውን ጾር ትግባረ መሰረታዊ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጥራይ ክወድቕ’ዩ፧
ከምዝፍለጥ፡ ኣብ 1945 ዝጸደቐ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ንመትከል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት ዘኽብር ዓንቀጻት ኣስፊሩ’ዩ። እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት ናጽነተን ክወሃበን ከሎ፡ ብኣንጻሩ - ማሕበረሰብ ዓለም ዘይከም መትከላቱ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ገጹ ክኽውል ተራእዩ። ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ናይ’ቲ እዋን ርእሰ-ሓያላን ሃገራት ንምሕላው፡ ኤርትራ ኣብ 1952 ብዓሎቚ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምእትቑረን ተገይሩ።
እዚ ንመሰል ርእሰ-ውሳነን ናጽነትን ኤርትራ ዘዳኸመ ዘይቅርዕው ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ብበይናዊ ስጒምቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፈሪሱ፡ ኣብ 1962 “ፈደራላዊ ሕጊ” ተጣሒሱ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጎበጣ ኢትዮጵያ ክትኣቱ ኣገዲዱ። ኣብ’ዚ ዘሕዝን እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዓገብ” ክብልን ኣድማዒ ውሳነታት ከሕልፍን ብዘይምኽኣሉ፡ ድኽመቱ ዘነጸረሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ብወገኑ፡ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ዋዕላ፡ “መግዛእታዊ ዶባት ቀያድን ዘይልወጥን” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ቦትኡ ክነሱ፡ ኣብ ጉዳይ ጎበጣ ኤርትራ ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ግን፡ መሰረታዊ መትከል ናይ’ዚ ውድብ ንምትግባር ፈሺሉ’ዩ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣን መግዛእትን ኢትዮጵያ ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ተገዲዱ’ዩ። ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለን ከቢድ መስዋእቲ ዝሓተተን ቃልሲ ብምክያድ ድማ፡ ኣብ 1991 ብቕልጽሙ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ።
ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ረዚን ሃገራዊ ታሪኽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይምኽባር ንዘኸትሎ ኣዕናዊ ሳዕቤንን ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታትን ዘብርህ ታሪኻዊ ሰነድን ግብራዊ መዘኻኸርን’ዩ።
ኣብ 1998–2000 ዘጋጠመ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ርእሱ ዝኸኣለ ፈተና ሒዙ’ዩ መጺኡ። ኣብ ታሕሳስ 2000 ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተቐለሰ ውዕል ኣልጀርስ ብምፍራም፡ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ “ሓባራዊ ዶብ ምሕንጻጽ” ዝብል ሕጋዊ ቅርጺ ብዝሓዘ ስምምዕ ተዛዚሙ።
በዚ መሰረት ብ13 ሚያዝያ 2002፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይኑ ኣመሓላሊፉ፣ ኣብ 2007 ድማ ናይ ምሕንጻጽ ስልጣኑ ፈጺሙ። ውሳነ ናይ’ቲ ኮሚሽን ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ብክልቲኡ ወገን’ኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ግን ንዓመታት ከይትግበር ሓንጊዳ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እቶም ንመስርሕ ሰላም ኣልጀርስ ዝተዓዘቡን ዘውሓሱን ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ፡ ብቐንዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ግዴታኦም ከኽብሩ ኣይከኣሉን።
ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ እዚ ውሳነ ንክኽበር ዘለዋ ቅሩብነትን መርገጽን ዓቂባቶ’ያ። ኣብ 2018 ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነታት ኮሚሽን ዶብን ምቕባላ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ነዊሕ እዋን ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ኣብቂዑ፡ ብዘይውዓል ሕደር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።
ይኹን’ምበር፡ ሎሚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ሓደገኛ ኩነታት ገጢምዋ’ሎ። ሰልፊ ብልጽግና “ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ” ከም “ስትራተጂካዊ ግዴታ ኢትዮጵያ” ብምባል፡ ብግልጺ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣቕሪብዎ’ሎ። “ብውዲ ወይ ብግዲ” ዝብል ፈኸራን ምፍርራሕን ድማ ወሲኹሉ። ሰልፊ ብልጽግና ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዘካየዶ ጽዑቕ ጎስጓሳትን ምልዕዓልን፡ ካብ ምእዋጅ ኲናት ዝፈልዮ የብሉን። ብ9 ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ወሪራትኒ” ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ፡ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ከም ዝኣወጀት ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝካየድ ምፍርራሕ ወይ ምጥቃም ሓይሊ ይኽልክል። ብምስምስ ንታሪኽ ዝጐሲ ትረኻታት፣ ስነ-ሞጎታዊ ዘይምርድዳእን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ዝካየድ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት፡ ኣንጻር መትከላት ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ’ውን ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ሕቶ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንምንታይ ዕላማ’ዮም ቈይሞም ዘለዉ ዝብል’ዩ
ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ጸጥታ - ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ናይ ምውሓስ ቀዳማይ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል’ዩ። ዕማሙ፡ ኲናት ምስ ተወልዐ ግብረ-መልሲ ምሃብ ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባል ውድብ ሕቡራት ዝኾነት ሃገር ክገትእ፣ ግሉጽ ተቓውሞ ከርእን ንዞባዊ ሰላም ኣብ ሓደጋ ንዝሸምም ንጥፈታት ከውግዝን ይግባእ። ብዝተዋህቦ ስልጣን መሰረት’ውን፡ ብሓይሊ ግዝኣት እንዳማቱ ክጎብጥ ንዝህንደድ ሓይሊ ብትሪ ክኹንን ትጽቢት ይግበረሉ።
ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ’ዩ፧
ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባል ሃገራት ክኽበር ዘገድድ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ሓይሊ ምጥቃም ወይ ምፍርራሕ ይቃወም።
ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ኤርትራ ምስ’ዘን ኣህጉራውያን ትካላት ዘለዋ ታሪኽ ዘይናበብ’ዩ። ኤርትራ ናጽነት ክትረኽበሉ ንዝግባኣ መሰል ምጉሳይ፣ ከምኡ’ውን ብይን ዶብ ኣብ ምትግባር ኣስገዳዲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይምውሳድን ዝኣመሰሉ ታሪኽ ሰኒድዎም ዘሎ መድረኻት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ’ዘን ትካላት ንዝጽበዮ ውሕስነትን ምትእምማንን ናብ ትሑት ደረጃ ክወርድ ዝቕስብ’ዩ።
ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ጌጋ ክድገም የብሉን። ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ልሙድን ዘይውጽኢታዊ ዝኾነን ሓፈሻዊ ጻውዒት ን“ዘተ”ን“ክልቲኡ ወገናት ነብሰ-ግትኣት ከርእዩ”ን ዝብል ጻውዒታትን ስክፍታታትን ንላዕሊ ዝሓትት’ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝህሉ ኣህጉራዊ ርክባት ዝምልከት’ውን፡ ዘይጥሓስ ሕግታት ምቛምን ብንጹር ምርግጋጽን፡ ግዜ ዝጠልቦ’ዩ።
እዘን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ሓባራዊ መርገጺ ኣባል ሃገራት ንምንጽብራቕ ዝቘማ’የን። በዚ መንጽር’ዚ፡ መሰረታዊ ኣዕኑድ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ምኽባር ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ኩለን ኣባል ሃገራት ብማዕረ ደገፍ ንምሃብ ግዴታዊ ሓላፍነት ኣለወን። ምኽንያቱ፡ ነዞም መትከላት ምኽባር፡ ሰላማዊ ዝምድና ኣብ ምሕላው ዝጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ቅዋማዊ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን መሰረታውያን መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባር ዝግበር ዕማምን ጎስጓሳትን ዓቢ ግደ ኣለወን። ነዞም ሕግታት ምኽባር፡ ሓለፋ ንሓደ ህዝቢ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ናብ ነባሪ ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእን ዝወስድ እንኮ መገዲ’ዩ።
ኤርትራ ብሰንኪ ልኡምነት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ከቢድ ዋጋ ከፊላ’ያ። ንናጽነት ዝገበረቶ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ገድሊ፡ ከምኡ’ውን ንትግባረ ውሳነታት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየደቶ ዘይሕለል ቃልሲ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምኽባርን ንግርጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ንዘለዋ ጽኑዕ መብጽዓን ቅሩብነትን ዘጉልሕ’ዩ።
ሕጂ’ውን እቲ እዋናዊ ሕቶ፡ እዘን ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው ዝተመስረታ ትካላት፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግቡእ ሓላፍነተን ክስከማ ድየን፧ ባይቶ ጸጥታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ንናይ ሰልፊ ብልጽግና ሕማም ምስፍሕፋሕ ብምግታእ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ ኣንቂድዎ ንዘሎ ቅሉዕ ተጻብኦታት ክዓግቱ ድዮም፧ ወይስ ኩሉ ዓይነት ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኣብ ቅድሚኦም እናሃለወ፡ ምኽባርን ምትግባርን መሰረታውያን መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ዳግማይ ንኤርትራ ጥራይ’ዩ ክግደፍ፧
Ministry of Information, Eritrea retweeted
President Isaias Afwerki departed to Moscow in the early morning hours today to participate in the Third Russia-Africa Summit that will be convened from 28-29th October this week.
Main themes of the Summit include cooperation in the economic, investment, trade, energy, food security, agricultural and security sectors.
President Isaias will also held a meeting with President Vladimir Putin to discuss the strengthening of bilateral ties as well as other matters of mutual importance.
Presidential delegation includes Foreign Minister Osman Saleh.
Training for Ministry of Information Staff
Capacity-building training was provided to 59 IT and Engineering staff members of the Ministry of Information, including 14 women, by China Broadcasting International Economic and Technical Cooperation.
The two-week training program covered Digital Broadcasting Transmission Systems and Methods; Parameter Setting and Commissioning of Modulation, Encoding, Multiplexing, and Demodulation Equipment; Core Architecture and End-to-End Workflow Design of MAM Systems; as well as Studio Lighting and Sound Systems.
At the concluding event of the training today, 26 October, Mr. Yemane Gebremeskel, Minister of Information, expressed his deep gratitude to the Chinese Embassy, China Broadcasting International Economic and Technical Cooperation, the Ministry of Information’s Human Resources Development, and the professors and technical experts who conducted the training. He said the training will significantly broaden the technical knowledge and perspectives of the Ministry’s engineers and technicians regarding new technological advances in the fields covered.
Minister Yemane further stated that the training program is an integral part of the Ministry’s comprehensive and ongoing project to fully digitalize radio and television broadcasting using advanced technologies.
Mr. Dai Demao, Charge d'Affaires at Chinese Embassy in Eritrea, said the training was part of the cooperation programs between China and Eritrea across all sectors. He expressed his expectation that it will make a significant contribution to the daily work of the Ministry’s staff.
Commending the training provided by China Broadcasting International Economic and Technical Cooperation, Eng. Neguse Berhane, speaking on behalf of the trainees, called for similar training programs to be organized.
Certificates of participation were presented to the trainees at the event.
Outstanding Students Honored in Central Region
Eight schools in the Central Region honored 206 outstanding students, including 119 female students, who achieved high scores in the eighth-grade national examination for the 2025/2026 academic year.
The schools that honored their outstanding students were Adulis, Al-Amel, Dalul, Daero-Paulos, Felege-Hiwet, Hadinet, Mai-Tesfa, and Model.
Female students accounted for 58% of those honored, while student Eliana Simon received a special award for scoring 100%.
At events conducted in each school, heads of education branches, school directors, parents’ committees, and teachers congratulated the award-winning students and their parents. They called on the students to work hard and excel in their future studies and urged parents to regularly monitor their children’s academic progress. They also called on teachers to continually assess their students’ performance.
Certificates of recognition were also presented to exemplary teachers and parents at the events.
Haddas Ertra 25 October 2026
shabait.com/2026/10/25/hadda…
ካብ ስነዳት ስእልታትና
መሓመድ ዓብደልቃድር ምስ ብሬኑን ዊልቼሩን
ተጋዳላይ መሓመድ ዓብደልቃድር ይበሃል። ኣብ 1985 ናብ ህ.ግ. ተሰሊፉ። ኣብ ክ/ሰራዊት 61 ብርጌድ 81 ድማ ተወዚዑ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 1986፡ ኣብ ዝባን እምባ ደንደን ምስ ብሬኑ ዝተሳእላ ስእሊ ድማ፡ ሓንቲ ካብተን ስልእታት ጅግንነት ተጋደልቲ ህ.ግ. እተንጸባርቕ እያ።
መሓመድ ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ተሳቲፉ፡ ድሕሪ’ቲ ዓቢ ዓወት፡ ኣብቲ ኣብ 1988 ኣብ ግንባር ከረን ዝተገብረ ውግእ፡ ብጅግንነት እናተዋግአ መልመስቲ ፍርቂ ኣካሉ ዘስዓበሉ ማህረምቲ ዓንዲ-ሕቖ ኣጋጠሞ። ድሕሪ መውጋእቱ ናብ ክሊኒክ ህ.ግ. ፖርትሱዳን ተላኢኹ። ሎሚ ምስ ንዕኡ ዝመስሉ 4 ሓርበኛታት ብጾቱ፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ብሽም ናይቲ ቅድሚ 40 ዓመት ብ1986 ምስ ብሬኑ ዝተሰኣለሉ እምባ ደንደን ዝጽዋዕ ሆቴል ደንደን ተኻርዩ፡ ምስቲ ዘጋጠሞ ብርቱዕ መውጋእትን ቃንዛን እና ተቓለሰ ይሰርሕ ኣሎ።
መሓመድ ትማሊ ምእንቲ ሓርነት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ዝባን በረኽቲ ጎቦታት ከም ነብሪ እናዘለለ ምስ ብሬኑ ይወናጨፍ ነይሩ። ሎሚ ድማ ኣብ ዝባን’ታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሰላ ዊልቼር ኮይኑ ምስ ብጾቱ እናሰርሐ፡ ኣብ ኣቑርደት ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንመሓመድ ዓብደልቃድርን ብጾቱን ጥዕናን ሰላምን ንምነ። መሓመድ ዓብደልቃር ምስ ናይ ትማሊ ብሬኑን ናይ ሎሚ ዊልቼሩን እነሀልኩም። #Eritrea
ሌላ ምስ ደጀንን ክፍልታትን ህዝባዊ ግንባር
መበል 12 ክፋል
ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ካብቶም 11 ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር፡ 3 ክፍልታት፡ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ክፍሊ ቁጠባ ከምኡ’ውን፡ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና ርኢና ነይርና። ኣብዚ ብቐጻሊ ዝቕርብ ዘሎ ሕታማትና ድማ፡ ምስ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓን ጨንፈራቱን ዘላሊ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ጨናፍር ትምህርቲ፡ ዜና፡ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕን ባህልን ኣመሰራርታኡን ምዕባለኡን ርኢና ነይርና። ሎሚ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ተሪፈን ዘለዋ ጨናፍር ማሕተምን ቤት ትምህርቲ ካድርን፡ ክንርኢ ኢና።
ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ ጽንኩር ኣብ መንጎ ክልተ ጸላእቲ ተቐርቂሩሉ ዝነበረ መጀመርታ ሰብዓታት፡ ኣብቲ ዝያዳ ንህላወኡ ክዕቀበሉ ዝመረጾ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ኣውራ ድማ፡ ከባቢ ተብሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተጋደልቱ ዘንቅሓሉ መጽሔታት ክሓስብ ከሎ፡ ዳርጋ እቲ ሽዑ ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፋት ብኢድ እናተጸሓፈን ብካርታ ካርቦን ይባዛሕን ይዝርጋሕን ነይሩ። ብኢድ ብፒሮ እናጸሓፍካ ክንደይ መጽሓፍቲ ክትጽሕፍን ክትዝርግሕን ድማ ኣሸጋሪ ነይሩ።
በብቑሩብ ግን፡ ነቲ ብኢድ ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፋት ብታይፒንራይተር ዝጸሓፈሉ መድረኽ ክቕልቀል ጀመረ። ነቲ ፍዴላት ዓረብን ትግርኛን ዝጽሕፍ ታይፒናት ድማ፡ ካብ ውሽጢ ከተማታት ኮነ ካብ ወጻኢ እናኣምጸአ ነቲ ብኢድ ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፋት ብምዕቡል ኣገባብ ይጸሓፍን ኩሉ ከም ዘንብቦ ይግበርን ነይሩ። እዚ ድማ፡ ከምቲ ዝተባህለ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብቲ ፈለማ መድረኽ፡ ንህላወኡ እናተቓለሰ እንከሎ ዕላማኡ ንምንጻር ብኢድ ብካርታ ካርቦን እናኣባዘሐ’ዩ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዝዝርግሕ ዝነበረ።
ንፈለማ እዋን ድማ፡ ኣብ 1971 ካብ ጸላኢ ዝተሰልበት መባዝሒት ተጠቒሙ ንኡስ መጠን ሕትመት ከካይድ ዝጀመረ። ብ1973 ድማ ንፈለማ ግዜ “ፊተውራሪ” ዝተሰምየት ወግዓዊት ልሳኑ ኣሕቲሙ ዘርግሐ። እዚ ኣካል ማሕተም ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ዝነበረ ኣካል’ዚ፡ ደረጃ ብደረጃ ዓቕሚ ሰቡን መሳርሒታቱን እናኣዕበየ፡ ካብ ‘ዱፕሊከይተር’ ተበጊሱ ክሳብ ናብ ‘Offsset’ ዘመናዊ ሕትመት ብምብጻሕ፡ ብዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ዝዳለዉ ንዝነበሩ ብዙሕ መጽሓፍቲ፡ መጽሔታት፡ ጆርናላት፡ ፎርምታት፡ ቅብሊታት፡ ካርድታት ወዘተ ይሓትም ነበረ። እዚ ድማ፡ እቲ ኣብቲ ውድብ በብእዋኑ ዝመጽእ ዝነበረ ምዕባለታት ሕትመት ዘርኢ እዩ።
ብኸምዚ ድማ፡ ኣብቲ ፈለማ ንሓደ ጽሑፍ ጽሒፍካ ብስቴንስል ገይርካ ብዱፕሊከይት ከም ዝባዛሕ ምግባር ተሓሊፉ፡ እቲ ምዕባለ ማሕተም ብዘገምታ ይዓብን ይምዕብልን ነይሩ። እዚ 1971 ዝፈለመ ምዕባለ ማሕተም ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ገረግር ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዳርጋ ሓደ ቅርጺ ክሕዝ ከኣለ። ደጀን ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ተብሕ ናብ ኣፍላግ ማለት ከባቢታት ብሌቓት፡ ፋሕ፡ ዜሮ፡ ሰበርቀጠ ወዘተ ምስ ቀየረ እቲ መድረኽ በብቑሩብ ካብ ዜሮ ጀሚሩ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ክበጽሕ ከሎ፡ ካብ መጽሔታት ሓሊፉ ካልእ መጽሓፍቲ ኣካዳሚ ክሓትም ከኣለ።
• ቤት ትምህርቲ ካድር
ካድር ኣብ ሓደ ውድብ ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ኣብ ሜዳ ካድር ዝመሃር ሰብ ድማ፡ ውፉይን ንሓላፍነት ዝሕጸ ልዕሊ ሰቡ ኣብነት ክኸውን ዝቃለስ ዜጋ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ እግሪ-ተኽሉ ከሎ ብዛዕባ ካድርን ቤት ትምህርቲ ካድርን ክሓስብ ዝኸኣለ።
እቲ ብፍኑው መንገዲ ኣብ ንተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ዝወሃብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድማ፡ ሓደ ምእኩልን ንዝተመርጹ ካድራት ዝምልምልን ቤት ትምህርቲ ብምቛም ክካየድ ጀመረ። እዚ ድማ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ዕላማታት ናይቲ ገድሊ ወይ ሰውራ ነበረ። ካድር ዘይብሉ ሰውራ፡ ንጹር ዕላማን መርሓን ክህሉዎ ኣሸጋሪ’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ፡ እታ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝፈለመት ቤት ትምህርቲ ካድር ሎሚ’ውን፡ ኣብታ ታሪኻዊትን ትእምርቲ ጽንዓትን ርእሰ ከተማ ገድልና ዝዀነት፡ ናቕፋ ምቕጻሉ ውጽኢቱን ኣገዳስነቱን ስለ ዝተፈልጠ’ዩ።
ቤት ትምህርቲ ካድር ኣብ ህዝባዊ ግንባር መዓስ ጀሚራን ክንደይ ኮርሳት ኣፍርያን ብንጹር ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ንተጋደልትን ህዝብን ፖለቲካውን ፍልስፍናውን ትምህርቲ ከቕስም፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ዝቖመ ቤት ትምህርቲ ካድር፡ 26 ናይ ተጋደልቲ 14 ናይ ሓፋሽ ውድባት ዙርያታት ትምህርቲ ብምክያድ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ካድረታት ክፈሪ ክኢሉ እዩ። ካብዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ዝወጽኡ ካድራት ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ከኣ፡ ዕላማታት ውድብ ኣብ ሓፋሽ ህዝብን ተጋደልትን ብዕምቆት ኣብ ምስራጽ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ቃልሲ፡ ብልዑል ተወፋይነት፡ መራሕትን ኣብነትን ብምዃን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት፡ ሓድነት ኣብ ምድልዳል፡ ጽሬት መስመር ኣብ ምሕላው ልዑል ኣበርክቶ ገይሮምን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎምን እዮም።
በዚ ኣጋጣሚ ክብርን ኣገዳስነትን ቤት ትምህርቲ ካድርን ተራ ካድራት ኣብ እዋን ገድሊን ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ሰውራ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ዝፈረዩ ካድራት ኣብቲ ርሱን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበሮም ተራን ኣብ እዋን ወራራት ዝነበሮም ተሳትፎን ቀሊል ኣይነበረን። ካብታ ኣብ 1978 ኣብ መንተብሌ ሰምሃር ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ካድር ዝማሃሩ ዝነበሩ ካድራት ተሳትፎኦም ኣብ ውግእ ባጽዕን ሽዑ ዝኸፈልዎ መስዋእትን መውጋእትን፡ ኣብ እዋን ምዝላቕ ከምኡ’ውን፡ ሻድሻይን ሻብዓይን ወራርን ድሕሪኡን ብጥርኑፍ ኣብ ግንባር ብምኽታት ዝተጻወትዎ ተራን ተወፋይነትን ሎሚ ካብቲ ክዝከር ዝግበኦ’ዩ።
ስለዚ ካድራትን ቤት ትምህርቲ ካድር ተራኦም ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ኣብ ልኡላዊት ኤርትራን ቀሊል ኣይነበረን። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ብኸምኡ ይቕጽል ኣሎ።
እዛ ሎሚ ኣብ ናቕፋ ብዘመናዊ ኣገባብ ተሃኒጻ ካብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታትን ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተመርጹ ሓላፍነት ተሰኪሞም ብተወፋይነት ንሃገርን ህዝብን ከገልግሉ ዝኽእሉ ካድራት ተፍሪ ዘላ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ ህያው ኣብነት መቐጸልታ ናይቲ ካብ ሰውራ ዝተወርሰን ገና ዝቕጽል ዘሎን ኣሽሓት ተማሃሮ ዝማሃረት ታሪኽ ገድልን ጽንዓትን ተወራርስ ዘላ ቤት ትምህርቲ እያ። #Eritrea
The State of Eritrea and the Republic of The Gambia establish diplomatic relations
The State of #Eritrea and the Republic of The #Gambia established diplomatic relations through a Joint Communiqué signed in New York yesterday, 23 October.
The Joint Communiqué was signed by Ms. Sophia Tesfamariam, Permanent Representative of the State of Eritrea to the United Nations, and Mr. Lamin B. Dibba, Permanent Representative of the Republic of The Gambia to the United Nations.
The establishment of diplomatic relations marks an important step in strengthening bilateral ties between the two countries. It provides a foundation for deepening dialogue and mutual understanding while creating opportunities to expand cooperation in areas of mutual interest, including political affairs, trade, economic development, culture, and other sectors.
These relations are grounded in mutual respect for sovereignty, independence, territorial integrity, and the principles and purposes of the Charter of the United Nations.




























