Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri) header
Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri) profile picture

Eritrea habeney eya🇪🇷

Joined June 2020
Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)Photo by Wegreat Sahel.🇪🇷 (@Semadit4eri)
Have Blessed Sunday Everyone ☕🌺 Sawa #Eritrea
2
10
33
547
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ኣሸዋ ምላሽ A DANGEROUS GRAVITY OF THE RULE OF LAW IGNORANCE IN ETHIOPIA (see the maps below carefully) When #Ethiopia declared war against #Eritrea in 1998: The political leaders claimed the high rain receiving part of Eritrea bordered by sands belongs to them. Now, 28 years later the claim has changed, even the sand and the seas belong to Ethiopia. This is simply insane and a repetition of the exercise of lawlessness. エチオピア エリトリア #UNSC
5
155
4
162
2,345
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ወተሃደራውን ጸጥታውን ዕማማቱ ብትግሃትን ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዘሰላስል፡ ብዛዕባ ዝዓጥቆ ዘመናዊ ኣጽዋር ንጃህራ ኢሉ ሚስጢራውነቱ ዘይዞሩን ክሊ ባሕሩ ጸጥታኡ ኣውሒሱ ጸጥታ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ዝተሓጋገዝን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ!
7
302
2
369
2,633
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
የቤርሙዳ ትራያንግልዋ ኤርትራ፦ኤርትራ ዳግም የጦርነት ኣውድማ መሆን የለባትም፤ ከጨለማው ታሪክ የምንማረው ትምህርት። ኢትዮጵያውያን የራሳችሁን ቤት ጠብቁ፤ እኛም የራሳችንን እንጠብቃለን። ኤርትራ ሉዓላዊት ናት!#Ethiopia 👇👉 m.facebook.com/story.php?sto…
103
99
606
በየን ናበይ ኽሓልፉ! ሴፈይ መዓስ ጐዲሙ! ተሰለምለይ ወርቂ ልበሲ! ብሩህ እዩ ሰማይ ዓደይ ወርቂ ምሰሊ! ሪመይ ሪመይ ዓደይ ዓደይ ሱር መንነተይ! ❤️🇪🇷❤️ #Eritrea #EPLF
1
26
38
658
ክብርን ሞጎስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ በዚ መጽዩ በዚ ግንባር'ዚ ሰጊሩ ክኣ ንዓና ረጊጹ ክሓልፍ ዝኽእል ሰራዊት ክኣ የለን። "ወትሩ ሃገረይ ! "ዓወት ንሓፋሽ!
6
154
2
271
4,152
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ከረን ጻዕዳ Keren #Eritrea
2
94
2
164
1,072
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
WE WILL TELL OUR OWN STORY: AN ERITREAN PATRIOT ON JOURNALISM, SOVEREIGNTY, AND PEACE November 5, 2026 | By David Yeh Journalism should illuminate truth, not deepen hostility or reinforce political prejudice. Eritrea’s sovereignty, historical experience, and pursuit of peace deserve serious consideration. Responsible reporting must encourage dialogue, challenge misleading narratives, and promote mutual respect among nations and peoples. Read more: redseabeacon.com/we-will-tel… #Eritrea #Peace #HornOfAfrica #RespectEritreasSovereignty #Enough2PPsWarmongering #AfricanUnion @hawelti @shabait @EmbassyEritrea @Eritrea_UN @AmbStesfamariam @hadnetkeleta @SirakBahlbi @EliasAmare @GhideonMusa @DahlaKib @FarahMaalimM @Landofcandoppl @Ghidewon @ETMissionUN @PMEthiopia @MFAEthiopia @MofaSudan @MfaEGYPT @ForeignOfficeKE @_AfricanUnion @StateDept @AJEnglish @BBCWorld @AFP @TheEconomist @PressTV @nytimes @UN @Sec_Council @gulf_news
79
1
69
641
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ዛንታ ናይዛ ስእሊ ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ጽገን ጸጋን ብጸላኢ ድሕሪ ምምራኸን፡ ፈለማ ኣብ ቃኘው ከም ዝተዳጎና፡ ቀጺለን ናብ ማርያም ግምቢ ብምስግጋር ከቢድ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘውረደለን ብግፍዒታት ዝተሰነየ መርመራ ከም እተኻየደለን፣ ብድሕሪ’ዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሓዝሓዝ ከም ዝተሰጋገራ፣ ሓደ እዋን ጽገ ኣለም ብሓለውቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተሰንያ ኣብ ሕክምና (ሆስፒታል) እንከላ፡ ሓንቲ ፍርዳ ወዲኣ ዝወጸት እትፈልጣ ሰብ ሰላም ከም እትብላ ተመሲላ ሓንቲ ብፕላስቲክ ዝተጠቕለለት ወረቐት ከም ዘጨበጠታ፣ እንተኾነ ከተጨብጣ እንከላ ኣብ ዓይኒ ተኸታተልታ ዝኣተወት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ፍቓድ ሓቲታ ትሸይን ኣምሲላ ናብ ዓይኒ ምድሪ ብምእታው ነታ ዝተጠቕለለት ወረቐት ከም ዝወሓጠታ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ምስ ቀልቀላ ምስ ወጽአት ድማ ኣንቂጻ ከም ዝነበበታ፣ ኣብ 1987 ከኣ ስድራአን ብላዕ ሂቦም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ከም ዘውጽኡወን፣ ብድሕሪ’ዚ ጸጋ ዘርኢማርያም ናብ ኣመሪካ ከተምርሕ እንከላ፡ ጽገ ኣለም ድማ ዓመት ጸኒሓ ዳግማይ ናብ ሜዳ ብምምላስ ገድላዊ ጉዕዞኦ ከም ዝቐጸለቶ ነቢብና ኔርና። ንሕጂ ድማ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋሉ ይስዕብ - ሰናይ ንባብ፦ ትሪኒዳድ፡ ሓጻር በራኽ ዋዕሮ ተጋደልቲ ዘየውጽእዎ ሳጓን ጤል ዘይትጠጥሞን ስለ ዘየለ፡ ብዙሓት እታ ንሸማይነሽ ዝለገበታ ‘ትሪንዳድ’ እትብል ሳጓ ምስ ቁመታ ከተሓሕዝዋ ይፍትኑ’ዮም። ገለ’ውን ስሒቖማስ ‘ክሪኒዳድ’ ኢሎም መዋእል ዝጸውዑዋ ኣይተሳእኑን። መበገሲ ናይ’ዛ ሳጓ ዝኾነ ተጋዳላይ ዳያን ግን፡ ሸማይነሽ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከበሳ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ክሳብ 6 ናብ ዝኾና ዓድታት ብእግራ ከይዳ ኣብ ነፍሲ ወከፈን ድማ ሰሚናር ኣካይዳ ክትምለስ ምስ ረኣየ ዘልገበላ መጸውዒት’ያ። ንሱ፡ ሸማይነሽ ከምታ ‘ትሪኒዳድ’ ዝስማ መርከብ ናይ’ቲ ፈለማ ንዓለምና ዝኾለላ ፈርዲናን ማጅላን ምዃና ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ቅጽል’ያ ነይራ። ትሪኒዳድ’ውን ኣብቲ ፈለማስ ነታ ሳጓ ከም ሰባ’ያ ተረዲኣታ። ኣብ 25 ነሓስ 2019 ኣብ ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ኣማረሸ ጸጋይ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ክርዳድ” ዝበላ መሲሉዋ ክረዳድኡ ከም ዝጸውዓቶ ትገልጽ። ንሳ፡ “ስምዓኒ ኣነ ሓጺረ ነዊሐ፡ ውድባዊ ዕማመይ ዝፍጽም ዘለኹ ሰብ’የ። ስለምንታይ ክርዳድ ትብለኒ፧” በለቶ። ዳያን ከኣ እቲ ዝበላ ‘ትሪኒዳድ’ ምዃኑን ትርጉሙ ገሊጹን ኣዕገባ። ‘ትሪኒዳድ’ ካብ ዝወጸትላ ዕለት ኣትሒዛ፡ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ክፋል ከበሳ ማዕረ ስፍሓት ስራሕ ትሪንዳድን ብጾታን እናሰፍሐት’ያ ከይዳ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጸላኢ ዝነበረ ከባቢታትን ኣብ ቅድሚ መስመርን ክትፍለጥ’ውን ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ክሊ ትሪኒዳድ ብዙሓት ሰባት በብወገኖም ዝዝክርዎም ብሂላት ወጹ፡ ክሳብ ደርፊ’ውን ተደርፈ። “ጸላኢ ዓሻ’ዩ፡” ኢሉ ነይሩ ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)። እወ፡ ዓሻ ጸላኢ እቲ ትሪኒዳድ ዝብል ስም ውጽኢት ህ.ግ. ምዃኑ፡ ህ.ግ. እውን ውጽኢት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ረሲዑ፡ ውልቀ ሰባት ብምጥቃዕ ዓወት ዝጎናጸፍ ይመስሎ ነይሩ’ዩ። ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ትሪኒዳድን ብጾታን ጸላዊ ስራሕ እናሰርሑ ብዝኸዱ፡ ገለን ኣእጋራ ክሰብሩ ገለን ድማ ብኳሌትኣ ወጢጦም ከምጽኡ ዝተላእኩን፡ ግዳይ ምዑታት ተጋደልቲ ህ.ግ. ዝኾኑን ከድዓትን ወተሃደራት ደርግን’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብ ስርሒታት ከተማ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ብ ‘ክፍሊ መስዋእቲ’ ዝፍለጡ ፈዳኢን ህ.ግ.፡ ኣስመራ መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ነበረት። ኣዝማሪና ሸማይነሽ ድማ ካብ 1973 ኣትሒዛ ኣብ ሓንቲ ኣብ ጽላል ናይ’ዚ ክፍሊ’ዚ ምስ ዝሰርሓ ናይ ከተማ ዋህዮታት ተወደበት። ኣብረሀት በይን፡ ኣስመረት በይን (ክልቲአን ኣሓት’የን)፡ ኢትዮጵያን (ስማ ገድሊ ናብ ኤርትራ ዝቐየሮ) ካልኦትን ኣብ ዝኣባላታ ዋህዮ ኮይና ድማ ብተኣምራተኛታት ቫይናክን ብጾቱን እናተኣልየት ምስ ጸላኢ ኣብ ጭርጭር ከተማ ኣተወት። ኣብ እንዳ ጾሚነቲ፡ ገዛ ከኒሻ ዝነበረት ስድራ እንዳቦይ በይን ሓንቲ ካብተን ኩሉንትናአን ዝሃባ ኤርትራውያን ስድራቤታት ነበረት። ገዛ እንዳቦይ በይን ንኣብርሀት በይንን ኣስመረት በይንን ኣብ ናይ ከተማ ዋህዮ ኣሰሊፋ ከይኣክል፡ ካብ ቀንዲ መዋፈሪት ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ’ውን ነበረት። ኣብረሀት በይን ሓንሳብ ለማኒት ሓንሳብ’ውን ካልእ እናመሰለት ትስሊ፡ ከምኡ’ውን ብረት ኮነ ቦምባ ናብ ዝምልከቶም ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ ብምትሕልላፍ ትብዓታ ዘመስከረት ኣባል’ታ ዋህዮ ነበረት። ኣብ25 ነሓስ 2019 ኣብ ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ኣማረሸ ጸጋይ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፡ ንጉዕዞኣ ኣብ ገድሊ ዝምልከት ሰፊሕ ጽሑፍ ኣሎ። ኣብታ ሕታም፡ ትሪኒዳድ ንዝቐጸለ ብድሆታት ስራሕ ከተማ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጻቶ ኣላ። “ሓደ እዋን፡ ኣምባሳደር ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ተጨውዩ ናብ ሜዱ ወሪዱ። ናቱ ንብረትን ካልእ ናብ ሜዳ ክለኣኽ ተታሒዙ ዝነበረ ቦምባ ቻይናን፡ ኣብ እንዳ ኣቦይ በይን ኵዒትና ንኽንቀብሮ፡ እሞ ድማ መብዛሕትኦም መሳርሕትና መንእሰያት ብምንባሮም፡ በቲ ንብረት ከይታለሉ ብዝብል - ንሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብ ኣባል ፈዳኢን ኵዒቱ ክቐብሮ ሓሪናዮ። ሰብኣይ ኣይጸንሐን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሰሊሙ (ከዲዑ)። ኩሉ ምንቅስቓሳትና ብረቂቕ ዝፈልጥ ድማ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ንሱ ብዝሓሰዎ ማይ- ድምነት ተደምሲሳ፡ ንገዛ እንዳቦይ በይን ኣጥቂዖሞ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ንኣስመረት ሓትኖኣን ክልተ ኣሓታን፡ በታ ንጸገም ክትኮነና ኢልና ዝሰራሕናያ ኣስካላ ሃዲመን። ኣስመረት ኣብ ሓንቲ ጸልማት ክሽነ ምስተን ቦምባ ቻይና ተሓቢኣ። ንኹሉ እቲ ገዛ ፈቲሾም ዝውሰድ ወሲዶም ዝቕተል ቀቲሎም ንኣብረሀት ሒዞማ ከይዶም። “ኣስመረት ካብቲ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ወጺኣ ክትሃድም፡ ሓደ ኤርትራዊ ኮማንድስ ረኺቡዋ። ኤርትራዊ ሓወይ ኢኻ፡ ካብ በዚኦም ዝቕተል ንስኻ ቅተለኒ፡ እንተ ክኢልካ ድማ ናብ ዝብጻሕ ኣብጽሓኒ ኢላቶ። እቲ ኮማንድስ፡ ጫማ ሂቡ ክዳን ከዲኑ ኣመሳሲሉ ኣህዲሙዋ። ኣስመረት ንገዛና መጺኣ ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ነጊራትኒ። ተተሓሒዝና ድማ ናብ ባር ኣውቲስቲ ተሌፎን ናብ ብዓል ቫይናክ ክንድውል ከድና። ኣብኡ ሓደ ንጥርጥሮ ጃሱስ መጺኡና። ካብኡ ሃዲምና ኣብ ከባቢ ኣስካላ ሓንካሳት ምስ በጻሕና፡ ንደሱ ረኺብናዮ። ሓሳብና ምስ ነገርናዮ፡ ደሓን ቅሰና ኩሎም ፈሊጦም እዮም ኢሉና።” ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ቫይናክ ምስ ዝርከቦም ኣባላት ኣብ መንበሪ ገዛ ደሱ ድሕሪ ምሕባእ ምስኦም ናብ ሜዳ ወረዳ። ሃጀምቲ እንዳቦይ በይን ዝውሰድ ይውሰዱ እምበር፡ እተን ትሽዓተ ቦምባ ቻይና ዋኒን ህ.ግ. ካብ ምዃን ኣየምለጣን። ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ ኮንታተረ ዘዐርዩ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤ ሌ ክትሪክ ተመሲሎም ወሰዱወን። ሸማይነሽ መጺኣ ብደዳዕ ወይልኻ ከዳዕ ኣብ1975 ኣብ ሕሽክብ ዝተኻየደ ታዕሊም፡ ንሸማይነሽ መቐጸልታ እምበር መጀመርታ ገድሊ ኣይነበረን። ዝቐሰመቶ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ኣብ ሜዳ’ውን ከም ምኩርቲ ክትብገስ ኣኽኣላ። ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሳሕል ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ድሕሪ ምስራሓ ድማ፡ ንተመሳሳሊ ስራሕ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ከበሳ ተመደበት። ምስ ብጾታ ካብ ዛግር እናተንቀሳቐሰት ምውዳብ ህዝቢ፡ ምምስራት ማሕበራት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ወሰን ኢሎም ሓዝዎ። ስርሖም እናዓበየ እንግድዓ ውድብ ድማ እናተረረ ብዝኸደ፡ ስም ብዙሓት ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ይዓርግ ነበረ። ኣይከም ትሪንዳድን ግን። ጸላኢ ዓሻ ይኹን እምበር ገለ ካብኡ ዝዕሽዉ ኤርትራውያን’ውን ነይሮም’ዮም። ንኸብዶምን ገለ ንዋይን ኢሎም ኣንጻር ህዝቦም ክቖሙን፡ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ድማ ዜጋታት ዘከላብቱን ነይሮም’ዮም። ናይ ገለ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ኣብ ቅትለት መቕርቦምን መተዓብይቶምን ዝወዓሉ ነውራማት ኣስማት ምጥቃስ’ውን ከቢድ ኣይምኾነን። እቲ መወዳእታኡ ዓወት ዝተገዝመ ውድብን ህዝብን ዝእረም ኣሪሙ ስለ ዝሓለፎ ሕጂ ናብኡ ምምላስ ናብ ጭቃ ምውዳቕ’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ህዝቢ ብጸቕጢ እምበር ብፍታዉ ኣይኮነን ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ዝነበረ። ትሕት እንተበለ’ውን ኣንጻር ገፋዕቱስ ስኑ ደኣ ይሕርቅም ነበረ። ጽልዋ ሸማይነሽ እትመርሖምን እትርከቦምን ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ኪኖ ገጠራት ንኣስመራ’ውን ይደሃያ ነበረ። ምንቅስቓስ ሸዋይነሽን ብጾታን ነታ ደዳዕ ዝተባህለ ቦታ ዝርከባ ኳዜን ሓዊስካ ሰፊሕ ነበረ። ገለ በዚ ምንቅስቓስ’ዚ ዝተሓጎሳ ኣዴታት፡ “ሸማይነሽ መጺኣ ብደዳዕ፡ ወይልኻ ከዳዕ” ኢለን ደረፋ። እዚ ደርፊ’ዚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሕልፎት ከይተረፈ ይድገም ከም ዝነበረ ድማ ይዝንቶ። ብዓዲ ኣልጋነሽ፡ ብባሕሪ ሸማይነሽ፡ ተዋረድና! ህ.ግ. ንደርባዊ ኣተሓሳስባ ብገስጋሲ ፖሊሲ ንምትካእ ኣብ ድሕሪ መስመር ብሰፊሑ ይንቀሳቐስ ነበረ። ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ምትግባር ናይ’ዚ ፖሊሲ መሪሕ ተራ ነበሮም። ምድያስ ብመሳፍንቲ ተገቢቱ ዝነበረ መሬት፡ ምዕሩይ ምምቕራሕ መሬትን ጸጋን ዓዲ፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተኻፋልነት ጸጋታትን ማሕበራዊ ጽፍሕታትን፡ ምምሕያሽ ስርዓተ ፍትሕን ካልኦትን ይካይዱ ነበሩ። እዚ መሰልን ልብን ዝበዝሐ ሓፋሽ ክረክብ እንከሎ፡ ገለ ረብሓኦምን ባህላዊ ንያቶምን ዝትንከፉ ግን ነይሮም’ዮም። ብቐንዱ ከኣ እቲ ከም ወላዲ ዝነጥፍ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ምዕንቃጽ ገስገስቲ ሓሳባት ንዝነጥፉ ይገንሕን ይእርምን ስለ ዝነበረ፡ ለውጢ ዝመረሮ’ውን ኣይተሳእነን። ሸማይነሽ ኮነት ብጾታ ትርግታ ልቢ ሓፋሽ ይንበሩ እምበር፡ መዕለብ መረረ ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ወገናት ኣይነበሩን’ውን ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣልጋነሽ ተኸስተ ዝተባህለት ሃገራዊ ግቡኣ ትገብር ዝነበረት፡ ኣብ ግዜ ምዝላቕ’ውን ከም ኩለን ሓፋሽ ውዱባት ክትስለፍ ሓቲታ - ግን ብምኽንያት’ቲ ዝነበረ ኩነታት ሓንሳብ ክትጸንሕ ዝተሓበረት ግርምቲ ዜጋ፡ ሃንደበት ናብ ጸላኢ ኣተወት። ኣንጻር’ቲ ሰለስተ ኣሕዋታ ዝተጋደሉሉ ውድብ ጠጠው ብምባል ድማ ምስ ጸላኢ ክትሰርሕ ጀመረት። ናይ ስራሕ ወኒን ክእለትን ኣልጋነሽ ቀሊል ኣይነበረን። ዳርጋ ኩሉ’ቲ ብወገን ጀማሂር ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ውዳበ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ድማ ብወገን ጸላኢ ኮይና ወሰን ኢላ ሓዘቶ። ኣንጻር ትእዛዛን መደባን ንዘዕጠጥዩ መሓሪት ኣይነበረትን። ሓደ እዋን፡ “ዘይንፈልጥ ከይመስለኩም፣ ሽዋይነሽ ጭራም ወረቐት እንተ ሰዲዳ ዞኽዞኽ ኢኹም ትብሉ። ንሕና ዝበልናኩም ግን ኣይትተሓባበሩን - ደሓን!” ኢላ ኣምሪራ ክትዛረብ ዝሰምዐ ተባዕ ኣቦ፡ “ብዓዲ ኣልጋነሽ ብባሕሪ ሽዋይነሽ እኮ ተዋሪድና! እንታይ ግበሩ ኢኽን ትብላና እዘን ክልተ ኣዋልድ፡ ” በላ። ኣብቲ ነዊሕ ርብርብ ግን፡ መስመር ሸማይነሽን ስለሰተ ጀጋኑ ስዉኣት ተጋደልቲ ኣሕዋት ኣልጋነሽን ተዓወተ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ሞት ፈንጢሳ ዝወጸት ትሪኒዳድ ናጽነት ኤርትራ ርእያ፣ መንግስቲ ተኺላ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ቀጺላ፣ ናብ ዲፕሎማሰኛ ሰጊራ ንሃገራ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ወኪላ፣ ሕጂ ድማ ብደረጃ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ንጡፍ ስራሕ ትርከብ። ኤርትራ ንትሪንዳድ ሓዳራ፡ ደቃን ዓለማን’ያ። ምስጋና ንምንጪታት ናይ’ዚ ጽሑፍ፦ - ወ/ሮ ሸማይነሽ ኪሮስ (ትሪኒዳድ) - መጀር ጽገ ኣለም (ጭብ) - ኣቶ ዓንደሚካኤል ሰለሙን - ወ/ሮ ኣማረሽ ጸጋይ - ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ - ኣቶ ታእዛዝ ኣብርሃ (ዕንድኩር) - ኣቶ ሄኖክ ሓሺም መዘኻኸሪ፦ እዚ ጽሒፍ’ዚ ኣብ 2020 ብሳምሶም ብርሃነ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ እዩ።
142
157
1,843
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
#Eritrea : ANCIENT ROOTS, ETERNAL IDENTITY Eritrea’s ancient heritage is undeniable. From Qohayto and Matara to the historic port of Adulis, its civilization and identity predate colonialism by thousands of years. Ancient roots, eternal identity! 👇👇👉 fb.watch/KKFvg45wx7/
4
215
1
211
1,272
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
Reaffirming Unity & Readiness to Serve the Nation:Las Vegas, Nov 5: #Eritrea|n community held a seminar on 'Without a Country, There Is No Dignity.' @EmbassyEritrea briefed on national defense, regional geopolitics + Q&A, over $100K raised & counting. 👇👉 m.facebook.com/story.php?sto…
5
296
2
287
1,450
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
The self-proclaimed activists/politicians and #PotemkinParty sympathizers are so busy betraying their own people that they fail to realize they’re digging their own graves — ጉድጓድ ንፈሓሪኣ! Imagine being so politically blind that you mistake your own people’s downfall for the pursuit of an illusion. What a spectacular act of self-sabotage! Keep digging; your shovel is doing all the talking. #Ethiopia #Sudan #Somalia #Eritrea @NeaminZeleke @AmericaEthiopia
8
525
9
518
5,843
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
In the current international/diplomatic discourse regarding the imperative of adherence to, and respect of, foundational pillars of international law as well as the maintenance of regional peace and security, the following salient facts and sequence of events must be recognized, without any equivocation, as the kernel/principal causes behind the prevailing grave situation: 1. On 13 October 2023, the Potemkin Party willfully manufactured an unnecessary and avoidable crises between the two countries by formally and publicly declaring its hostile agenda of acquiring "sovereign access to the sea", apparently and ultimately through invasion and occupation of Eritrea's sovereign lands. This dangerous declaration constituted a flagrant violation of foundational pillars of international law as well as the Joint Declaration of Peace and Friendship signed between the two countries in Asmara on 9 July 2018. 2. This initial declaration was ramped up in subsequent years through relentless and incendiary media campaigns; associated saber-rattling, and massive rearmament. The scope of the PP's impending invasion was also broadened to include forcible incorporation of Eritrea's southern coastline (see attached map) for the establishment of "a sovereign naval force with strategic depth". 3. The war agenda was further ratcheted up and translated into an operational plan when the PP regime launched its military operations in the Tigray Administrative Region in mid-September this year. Indeed a couple of days after the eruption of the war, the PP's Deputy Chief of Staff announced that "Mekelle will be a mere stop-over... the main objective is to install our flag in the Red Sea". 4. And on 9 October last month, the PP regime went further to ominously "notify the UNSC" on the unleashing of its war of aggression against Eritrea under the spurious pretext of "self-defense". The writing on the wall is thus crystal clear; eliciting, as it does, unequivocal condemnation as well as requisite deterrent measures in accordance with explicit provisions of the UN Charter and associated instruments.
4
1,396
40
1,304
39,532
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ቃልስና ነዊሕዩ Deep bow of gratitude and thanks to Mr. Yohannes Habte the General Manager and coworkers of the Asmara Brewery for their continuing relentless efforts of preserving one of the heritage industries of #Eritrea despite all the odds facing our country エリトリア エリトリア企業情報 | About Eritrea eritreaembassy-japan.org/bus…
3
246
4
279
6,668
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ሌላ ምስ ደጀንን ክፍልታትን ህዝባዊ ግንባር መበል 13 ክፋል ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ካብቶም 11 ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር፡ 4 ክፍልታት፡ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ክፍሊ ቍጠባ፡ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና ከምኡ’ውን፡ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ርኢና ነይርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታምና ድማ፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት ክንርኢ ኢና። 5. ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት፦ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት ብሰፊሑ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝተዳለወ ‘ዘይተነግረ ገድሊ’ ዝብል መጽሓፍ ብሰፊሑ ሰፊሩ’ኳ እንተሎ፡ እዚ ክፍሊ’ዚ እንታይ ከም ዝመስል ብጽምቚ ዝበለ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ነዊሕ ኲናት ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሽግራት ይቃላዕ ነይሩ እዩ። ስንክልና፡ ዝኽትምና፡ ስደትን ምዝንባል ናብራን መካይድቲ ኲናት እዮም። ነዞም ሽግራት እዚኣቶም ንምቅላልን መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽን፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳይ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሓደ ካብ ዓበይቲ ንጥፈታት ደጀን እዩ። በዚ ድማ፡ ዓድታቱ ዝነደደን ካብ ጃምላዊ ህልቂት ዘምለጠን ኣሽሓት ህዝቢ ዝዕቈበሉ መደበር ዕቝባት ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ደብዓት፡ ድሕሪ ምዝላቕ ድማ ኣብ ጭልሕንተ ካብኡ ቀጺሉ ክሳብ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ዓሬርብ፡ ባድን ወግሬት ከባቢ ናቕፋን ደኲኑ። ኣብዚ መደበራት’ዚ፡ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ ብምክያድ ኰነ፡ ካልእ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናወደበ፡ ህዝቢ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክብ ዘብለሉ መደባት የተግብር ነበረ። ብመትከል ርእስኻ ምኽኣል ዕቚባት ኣብ ዝተፈላለየ ጠለባቶም ዘማልኡሉ ቊጠባዊ ንጥፈታት ከም ዝዋፈሩ ይገብር ነይሩ። ኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ምእላይ ካልእ ዝዓበየ ዕማም ነይሩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ደጀንን ፖርትሱዳንን ስንኩላን ዝዕቈቡሉ መደበራት ከፊቱ፡ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝረኽቡ ኣብ ርእሲ ምግባር፡ ካብ ምጥፋእ መሃይምነት ጀሚሩ፡ ምስ ዓይነት ስንክልናኦም ዝኸይድ፡ ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ይገብር ነይሩ። በቲ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ዝተቐስመ ክእለትን ንቕሓትን፡ እቲ እግሩ ዝተቖርጸ ነቲ ዓይኑ ዝዓወረ እናመርሐ፡ ካልእ ዓይነት ስንክልና ዘለዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም እናተደጋገፉ፡ ኣባይቲ፡ መምሃሪ ክፍልታት፡ ኣደራሻት፡ ናይ ሙዚቃ ስትድዮታት ወዘተ፡ ብምህናጽ ንመደበሮም (መዓስከር ብደሆ - ኣብ ጀልሃንትን ዓሬርብን) ናብ ኣብነታዊ ዓድታት ክቕይርዎ ክኢሎም እዮም። ካልእ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳይ ዝነጥፈሉ ዝነበረ ዕማም፡ ምዕባይን ምምሃርን ህጻናትን ቈልዑን እዩ። ደቂ ተጋደልትን ዘኽታማትን ህጻናት ቈልዑን መምስ ዕድመኦም ዝሳነ ትምህርቲ ብምሃብ ዝተመጣጠነ መግቢ ብምቕራብ፡ ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለኦም ዝሕግዙ ናይ መጻወትን ትምህርትን ንዋት ብምድላው ብጽቡቕ ክንክን ንኽዓብዩ ብዝተኻእለ መጠን ጻዕርታት የካይድ ነይሩ። ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳይ፡ ማሕበራዊ መሰላት ሰራሕተኛታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ንምርግጋጽ፡ ነዚ ዝምልከት ሕጋጋት እናውጸአን እናኸለሰን ኣብዚ መዳይ’ዚ ጽቡቕ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰላቶም ከም ዝኽበር ንምግባርን ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ሓገዝ ንኽረኽቡን እውን፡ ብዙሕ ጻዕርታት እኳ እንተ ኣካየደ፡ ከምቲ ዝድለ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ማሕበር ረድኤት ኤርትራ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳይ ንዝነበሮ ዓቢ ቊጠባዊ ሕጽረታት ንምምላእ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐንዐ ተደጋጋሚ ጻውዒታትን ርክባትን ኣካዪዱ፡ ዝምስገን ደገፍ እኳ እንተ ገበረ፡ ምስቲ መጠን ናይቲ ማሕበራዊ ጸገም ግን ዝመጣጠን ኣይነበረን። እዚ ኹሉ ሕጽረታት እናሃለወ፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳይ ናይ መጽናዕቲ ጋንታታት ናብ ሓራን ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝነበረ ቦታታትን ብምውፋር፡ ንጠንቅን ኣፈታትሓን መሰረታዊ ሽግራት ህዝቢ ብምጽናዕ፡ ዓይነትን ሚዛንን ናይቲ ዝድለ ሓገዝ የቕርብ ነይሩ። መብዛሕትኡ እቲ ናብ ማሕበር ረድኤት ኤርትራ ዝቐርብ ዝነበረ መጠን ናይቲ ሽግራት ንምፍትሑ ዘድሊ ሓገዛት ከኣ፡ ኣብ ውድዓዊ ጭብጥታት ዝተመርኰሰ ነይሩ።
76
95
1,194
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
“ዝተዋህበና ሽልማት፡ ሞራልናን ዓቕምናን ከነዛይድ ዝሕግዘና’ዩ” ተሸለምቲ ተማሃሮ ዮሴፍ ሃይለማርያም ስእሊ፦ ዮውሃንስ መብራህቱ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ፡ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2025-2026 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ ልዕሊ90% ነጥቢ ንዘምጽኡ ተማሃሮኡ፡ ሽልማት ብምሃብ ኣተባቢዑ። ኣብ’ቲ ብስነ- ጥበባዊ ምርኢት ተማሃሮ ተሰንዩ ብቐዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ኣመሓዳሪ ን/ዞ/ ማይተመናይ ኣቶ ሰለሙን ሃይለ፡ ጸሓፊት ህግደፍ ን/ዞ/ ማይተመናይ ወ/ሮ ጽጌረዳ ተወልደን ካልኦት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባን ተረኺቦምን ንብሉጻት ተማሃሮ ሽልማት ዓዲሎምን። ድሕሪ’ቲ ብዝኽረ ሰማእታት ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ዳይረክተር ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ መም/ ሙሴ ብርሃነ’ዩ ሓጺር ቃል ኣስሚዑ። መም/ ሙሴ፡ ንዕዉታት ተማሃሮን ወለድን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽን፡ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕርኹምን ጽኑዕ ምክትታልኩምን ክትሓፍሱ ኣብቃዓኩምን ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ 352 ተማሃሮ፡ እቶም 315 (89.8%) ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ከም ዝሓለፉ ሓቢሩ። ካብ’ቶም ዝሓለፉ፡ እቶም 44 ተማሃሮ ልዕሊ 90% ነጥቢ ከመዝግቡ ከለዉ፡ ካብኣቶም እተን 28 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ድማ ኣረዲኡ። መም/ ሙሴ ኣስዒቡ፡ ንኹሎም ብሉጽ ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተማሃሮኦም መዳልያን ወረቐት ምስክርን ክሽልምዎም ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብፍላይ ነታ 98.8% ነጥቢ ዘምጽአት ሓንቲ ተማሃሪትን፡ ነተን 98.4% ዘምጽኣ ሰለስተ ተማሃሮን ድማ፡ ብቤትሮ ብፍሉይ ቅርጺ ዝተሰርሐ ሽልማት ከም ዝዕደል ሓቢሩ። እዚ ሳላ ፍረ ጻዕሪን ምውህሃድን ተማሃሮ፡ ወለድን መማህራንን ተመዝጊቡ ዘሎ ብሉጽ ውጽኢት ቤት ትምህርቶም፡ ዝቕጽል ዓመት ልዕሊኡ መጠን ብቕዓት ክምዝገብ ከምዝከኣል ዝእምት ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ፡ ብሕጂ’ውን ጻዕሪ ቤት ትምህርቲ፡ ተማሃሮን ወለድን ክሕይል ኣዘኻኺሩ። ንተሸለምቲ ተማሃሮ’ውን፡ ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም፡ ብዲሲፕሊንን ሃገራውነትን እናተሃንጹ፡ ብቕዓቶም ዓቂቦም ክቕጽሉ’ሞ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን እጃሞም ከበርክቱ መም/ ሙሴ ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ዳይረክተር ማእከላይ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ መም/ ሙሴ ብርሃነ፡ ዓመት መጽአ፡ ንብሉጻት ተማሃሮ ብወጻኢታቱ መዳልያታት ንዘዳልወሎም፣ ሎሚ ዓመት’ውን ን44 ተማሃሮ ማዳልያታትን ነቶም 4 ብሉጻት ድማ ብቤትሮ ዝተቐርጸ ፍሉይ ሽልማትን ንዘዳለወሎም ኣቶ ዳዊት ጸሃየ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺልና ንገለ ካብ ተሸለምቲ ተማሃሮን ወለዶምን ኣዘራሪብና ነይርና። ፈለማ 98.4% ኣምጺኣ ብቤትሮ ብፍሉይ ዝተቐርጸን መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝዓተረት ሃብረም ተማሃሪት ናኦሚ ተስፋልደት ኢና ተወኪስናያ። ተማሃሪት ናኦሚ፡ ነዚ ዓወት ከተምጽእ ዝበቕዐት፡ ሻሙናይ ክፍሊ ከይጀመረት ከላ፡ ናይ 6ይን 7ይን ክፍሊ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣቐዲማ ስለ ዘጽንዓቶ፣ ናይ 8ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ክፍሊ ጽቡቕ ገይራ ሳላ ዝተኸታተለት ምዃና ትሕብር። ወለዳ’ውን ኣብ ግዜ መጽናዕታን ትምህርታን፡ ብፍቕርን ሓልዮትን ጠሚቶም ብኹሉ ስለ ዝደገፉዋ፡ ዓወታ ንዓታቶም ከም እተወፍዮ ሓቢራትና። ወላዲኣ ኣቶ ተስፋልደት መሓሪ፡ ብውጽኢት ናኦሚ ጓሉ ዝለዓለ ሓጎስን ዕግበትን ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ጓሉ ሓንቲ ካብ’ቶም ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽኡ ኣርባዕተ ተማሃሮ ተሰሪዓ ነዚ ሽልማትን ምትብባዕን ክትወስድ ምብቅዓ፡ ኣብ ቀጻሊ ዓወታ ሓያል ሞራልን ተስፋን ከም ዝኾና ሓቢሩ። ቤት ትምህርቲ ንዝገበሮ ሞራልን ምትብባዕን ድማ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ወላዲታ ወ/ሮ ኣልማዝ ጸጋይ ብግደኣ፡ ናኦሚ ጓላ ልዑል ተውህቦ ናይ ትምህርቲ ዘለዋ፡ ብጠባያ፡ ስነ-ስርዓታን ኣቓልቦኣን ድማ ሓያል ቈልዓ ምዃና ጠቒሳ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ ፍረ-ጻዕራ ክትሓፍስን ነዚ ሽልማት ክትዓትርን ምኽኣላ ሓጎሶም ወሰን ከም ዘይብሉ ገሊጻ። ዝተዋህባ ሽልማት ሞራል ዘስንቓ፡ ኣብ ዝቕጽል ትምህርታ’ውን ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ ትምህርታ ክትዛዝም ከም ዝሕግዛ ብምግላጽ፡ ንኹሎም መማህራና ኣመስጊና። ተማሃሪት ሩፍታ ተኽለ 98.4% ኣምጺኣ፡ ብቤትሮ ብፍሉይ ዝተቐርጸ፡ ከምኡ’ውን መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመት’ያ። እዚ ሽልማት፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ዝያዳ ነፊዓን ሞራል ገይራን ዝበለጸ ውጽኢት ከተመዝግብ ከም ዝድርኻ ከኣ ገሊጻትልና። ተራ ወለዳን ዓበይቲ ኣሕዋታን ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ዝጠቐሰት ተማሃሪት ሩፍታ፡ እዚ ዓወት ንወለዳ ከም ተወፍዮ ሓቢራትና። ንሩፍታ ወላዲታ ወ/ሮ ሓዳስ ጎይትኦም ብወገና፡ ሩፍታ ጓላ፡ ብኹሉ ንፍዕትን መስተውዓሊትን ኮይና ብዝለዓለ ነጥቢ ክትሽለም፡ ከምኡ ድማ ኣሰር ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋታ ክትስዕብን ምብቅዓ ልዑል ሓጎስ ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ፣ ንቤት ትምህርቲ’ውን ስለ’ቲ ዝገበሮ ሽልማትን ምትብባዕን ኣመስጊና። ተማሃሪት ዮካቤድ ምስግና 96% ኣምጺኣ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመት’ያ። ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ነዚ ዓወት ብሳላ ውልቃዊ ጻዕራ፡ ዘይሕለል ደገፍን ምትብባዕን ወለዳን፡ ከምኡ’ውን ሞራልን ምክትታልን መማህራና ዝተጐናጸፈቶ ምዃኑ ገሊጻ። ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ኣብ ኣጸናንዓ እትጥቀመሉ ሜላ፡ ፈለማ ኣብ ክፍሊ ብጽሞና ከም እትከታተል፡ ገዛ ምስ ከደት’ውን ጽቡቕ ገይራ ከም እትደግሞ፡ ዘድልያ መጽናዕትን ምጽፋፍን ገይራ ንትምህርታ ከም እትብገስ’ያ ሓቢራትና። ብዘይካ’ዚ፡ ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ኣብ 2025 ብዞባ ማእከል ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክትዕ (debating) ቀዳመይቲ ወጺኣ፡ ስማን ስም ቤት ትምህርታን ዘጸውዐት ሃብሮም’ያ። ተማሃራይ ኣራም ስምኦን 94% ኣምጺኡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተዓደለ ኮይኑ፡ እዚ ሽልማት፡ ንዕኡ ሓጎስ፡ ንወለዱን ቤት ትምህርቱን ድማ ኩርዓት ስለ ዝፈጠረሎም፡ ሞራሉን ስምዒቱን ሓፍ ከም ዝበለ ሓቢሩ። ተጐናጺፍዎ ዘሎ ዓወት፡ ብመደብ ተመሪሑ ስለ ዘጽንዐ፣ ኣብ ክፍሊ ብዕቱብ ስለ ዝተኸታተለ፣ ኣብ ጀነራል ቅድሚ ናብ ፈተና ምእታዉ ንኹሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣቐዲሙ ስለ ዘጽንዖን ዝደጋገሞን ምዃኑ’ውን ገሊጹ። ኣብ’ዚ ደረጃ ንዘብጽሑዎ ወለዱ ብምምስጋን ከኣ፡ እዚ ዓወት ንኣታቶም ከም ዘወፍዮ ይሕብር። ተማሃራይ ኣራሚ፡ ኣብ 2025 ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክትዕ (debating) ተሳቲፉ’ውን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ስሙን ስም ቤት ትምህርቱን ዘጸውዐ ሃብሮም’ዩ። ተማሃራይ ሆሴእ ዮናስ 96.8% ብምምጻእ፡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመ’ዩ። ተማሃራይ ሆሴእ፡ ነዚ ዓወት ክጐናጸፍ ዝበቕዐ፡ ንግዜኡ ብጽቡቕ ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ኣብ ክፍሊ ብጽሞና ስለ ዝከታተል፡ ኣብ ገዛ’ውን ብመደብ ስለ ዘጽንዕ ምዃኑ ይሕብር። ወለዱ’ውን፡ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ሕጂ ካብ እግሩ ከይተፈልዩ፡ ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ እናቐረቡን ዘይተረድኦ እናሓገዙን ስለ ዘተባብዕዎ፡ እዚ ዓወት ንዓታቶም ከም ዘወፍዮ ገሊጹ። ወላዲኡ ኣቶ ዮናስ ሚኪኤል ብግደኡ፡ ሆሴእ ወዱ ካብ ንእስነቱ ትኩርን ልዑል ተገዳስነት ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብውልቃዊ ጻዕሩን ጻዕሪ ናይ ወለዱን መምህራኑን ተሓጊዙ፡ ኣብ’ዚ ዓወት ክበጽሕ ምኽኣሉ፡ ሕጉስን ዕጉብን ከም ዝኾነ ገሊጹ። ቤት ትምህርቲ ንዝገበረሎም ምትብባዕ ድማ ኣመስጊኑ። ተማሃሪት ኤልያና ሰመረ 92% ኣምጺኣ፡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝዓተረት’ያ። ተማሃሪት ኤልያና፡ ኣብ መጽናዕታ ንኹሉ ብመደብ ተጽንዖ ከም ዝነበረት፣ ኣብ’ቲ ሓገዝ ዘድልያ ድማ ንወለዳን መማህራናን ትሓትትን ምስ መሓዙታ ብምዃን ተጽንዕን ምንባራ ብምግላጽ፡ ኣብ’ዚ ዓወት ንኽትበጽሕ ንዝደገፉዋ ወለዳን መማህራናን ኣመስጊና። ሽልማት ሂቡ ንዘተባብዖም ቤት ትምህርቶም’ውን ኣመስጊና። ወላዲታ ወ/ሮ ራህዋ ሓይልኣብ ብወገና፡ ከም ወላዲት ዘድልያ እናቐረበትን ሞራል እናሃበትን ንኤልያና ጓላ ትከታተላ’ኳ እንተ ነበረት፡ እቲ ዝበዝሐ ግን፡ ብውልቃዊ ጻዕራ ዝተጐናጸፈቶ ዓወት ምዃኑ ተረድእ። ፍረ-ጻማ ጓላ ክትርኢ ምብቅዓ ሕጉስቲ ምዃና ብምሕባር ድማ፡ ኣሰር ናይ’ቲ ምሉእ ነጥቢ ኣምጺኡ ኮለጅ ዝተጸንበረ ዓቢ ሓዋ ስዒባ፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርታ ንኽትዛዝም፡ ደገፋን ሓልዮታን ከም ተዛይደላ ገሊጻ። ተማሃራይ ሰናይ ኤርምያስ፡ 90% ኣምጺኡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተዓደለ’ዩ። ተማሃራይ ሰናይ፡ ብጻዕሩ፡ ምትብባዕን ምክትታልን ወለዱን፡ ሓገዝ መማህራኑን ነዚ ዓወት ክበጽሕ ከም ዘኽኣለ ብምሕባር፡ እዚ ሽልማት ፍሉይ ሞራልን ሓጎስን ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ። ወላዲቱ ወ/ሮ ሰናይት በርሀ’ውን፡ ሰናይ ወዳ ብሳላ ጻዕሩን ተገዳስነቱን፡ ነዚ ዓወት ክጐናጸፍ ምብቅዑ ዝተሰምዓ ሓጎስን ሓበንን ብምግላጽ፡ ብስድራ’ውን ዘድሊ ሓገዝን ቀረብን ከም ዝግበረሉ ኣረዲኣ። ተራ ወላዲ ኣብ መንፍዓትን ዓወትን ውላድ ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ወለዲ ምክትታሎም ከዛይዱ ተላብያ። ኣቶ ሃብቶም ተኸስተ፡ ን19 ዓመታት ከም ኣቦ መንበርን ኮሚቴ ወለድን ኣባል ኮሚቴ ወለድን ኮይኑ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣስመራ ሓፈሻውን ዋርሳይን ዝሰርሐን ዝሰርሕ ዘሎን ዜጋ እዩ። ንሱ፡ እዚ ብተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ ኣዝዩ ብሉጽ፣ ብቐንዱ ድማ ፍረ ጻዕሪ ተማሃሮን መምህራንን፡ ምስኡ’ውን፡ ወለዲ ንዕዉታት ደቆም ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ግቡእ ክንክንን ናብዮትን ምክትታልን ስለ ዝገበሩ ዝተሓፍሰ ምዃኑ ሓቢሩ። እዞም ተማሃሮ ተረከብቲ ዜጋታት ናይ’ዛ ሃገር ስለ ዝኾኑ፡ ኮስኲስና ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ንኸነብጽሖም ናይ ኩልና ሓላፍነትን ጾርን ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ። ማእከለይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ፡ ብሉጽ መጽንሒ ህጻናት፡ ብቪድዮ ዝመሃሩሉ ክልተ ክፍልታት፡ ክፍሊታት ላቦራቶሪ፡ ንተማሃሮን መማህራንን ዘገልግላ ዓበይቲ ቴለቪዥናትን ካልእ ናውቲ ትምህርትን ዓጢቑ ንዘካይዶ ዘሎ ገስጋስ ድማ ንኢዱ።
89
100
1,566
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ዕቃበ ብረት መስርዕ ሰሜንን ኣግማሉን 4ይ ክፋል ኣብ ሳልሳይ ክፋል ዛንታ ዕቃበ ብረት መስርዕ ሰሜን፡ ንባህርያት መጽዓኛ ኣግማል ኣመልኪትና ዘቲና ኔርና። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ መስርዕ ገርገርን (ሰሜን) ማእከላይ ቦታ ዕቃበ ኣጽዋር ሃዳሙን ኣብ መወዳእታ 1980ታት ብዛዕባ ዝካየድ ዝነበረ ኣግማል ተጠቒምካ ኣጽዋር ናይ ምቅብባል ጻዕቂ፣ ድሕሪ ምሕራር ከተማ ኣፍዓበት ግን፡ ምዕራባዊ ከተማታት ሓራ ስለ ዝኾና፡ እዚ ስራሕ’ዚ ብመኪና ይጐዓዓዝ ከም ዝነበረ፣ ብመኪና ኣብ መንሱራ ተራጊፉ ነቲ ኣስታት 60 ጽዕነት ገመል ዝኸውን ናብ ገርገር ንምግዓዙ ብ19 ግንቦት 1988 ወጋሕታ ናይ ምፍንጃር ሓደጋ ከም ዘጋጠመ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ህይወት ኣርባዕተ ተጋደልትን ኣርባዕተ ገባርን ምስ ሓሙሽተ ገመል ተኸሲሩ። በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ንህዝቢ ገርገር ከም ዘሰንበደን ኣብ ምጥርናፍ ናይቶም ምስ ጽዕነቶም ሰንቢዶም ዝጠፍኡ ኣግማል’ውን ልዑል ምትሕብባር ከም ዝገበሩ ተሪኽና ኔርና። ንሎሚ እምበኣር፡ ኣሳእል ናይቶም ኣብ ገርገር ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ኣሰኒና ነቕርበልኩም፥ ተጋዳላይ፡ ንናይ መነባብሮ ህይወቱ፡ ምስ ኵነታትን ከባብን ብምዝማድ ዝተፈላለየ ዓይነት ምትዕጽጻፋት ክገብር ልሙድ ተርእዮ ነበረ። ኣብ ሓደ ቦታ ንሰሙናት ኣዋርሕ ክጸንሕ ከም ዝኽእል እንተ ገሚቱ፡ ካብ ምስራሕ ጽላል ጀሚርካ ክሳብ ንመነባብሮኡ ክጠቕሙዎ ዝኽእሉ ኩሉ ነገራት ከመሓይሽ ሓርኮትኮት ይብል። ሕርሻን መጓሰን ከይተረፈ ከፍርን ከጥርን ተበግሶታት ይወስድ። እዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ልሙዳት ናይ ማእቶት፡ ስፖርትን ትምህርቲ ኣካዳምን ፖለቲካን ንጥፈታት ማለት እዩ። ኣብ ኣሃዱ መስርዕ ሰሜን’ውን እዞም ንጥፈታት’ዚኣቶም ልሙዳት ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1982 ኣብ ምለዛናይ ከለዉ፡ ደርሁ ኣጥርዮም ነበሩ። ጽቡቕ ፈርየናሎም እንቋቝሖ’ውን ክኣርዩ ጀሚሮም። ነገር ገድሊ ግን ምሉእነት ኣይነበሮን፥ ጸላኢ ናብ ምለዛናይ ስለ ዝወፈረ፡ መስርዕ ሰሜን ድማ ንብረታ ወጊናን ጠርኒፋን ከተዝልቕ ወሰነት። ጕዳይ ናይ’ተን ደርሁ ግን ኣጸጋሚ ኮይኑ። ህይወታውያን ስለ ዝኾና፡ ከም ኣጽዋርን ካልእ ንብረትን ኣብ ትሕተ-ባይታዊ መኽዘን ዝቕመጣን ዝሕባኣን ኣይኮናን። ስለ’ዚ ሓንቲ ብልጽቲ ዝበሉዋ ሓሳብ ኣንቂሎም፥ ደርሁቶም ምስ ሓንቲ ኢታይ ጓል ምለዛናይ ከጸግዑወን ብምውሳን፡ “ክሳብ ንምለሰኪ ሓዝልና፡” ኢሎም ገዲፎምለን። “እንተድኣ ሓቲቶምኺ ‘ናተይ እየን’ ድኣ በልዮም ኢኺ” ኢሎም ተላብዮም ሓዲጎምለን ኣዝሊቖም። ንሳቶም ካብቲ ዓዲ ምስ ተኣልዩ፡ ወዶገባ፡ ከይደንጎዩ ንምለዛናይ ኣተዉ’ሞ፡ እንተስ ሓበሬታ ረኺቦም፡ እንተስ ብጥርጣረ፡ ነተን ኢታይ፡ “ኣደ፡ እዘን ደርሁ ናይ መን’የን፧” ኢሎም ሓቲቶምወን። ኢታይ፡ “ናተይ፡” በላኦም። ወዶገባ፡ “እስከ ናትኪ ምዃነን ምሓሊ፧” “ምምሓል’ሲ ኣይምሕልን’የ፣ ግን ናተይ እየን፡” ኢለን መለሳ። ወዶገባ፡ ኢታይ ስለ ዘይመሓላ፡ ዘይናተን ምዃነን ኣረጋጊጾም፡ ንደርሁ ተጋደልትን ኢታይን ለኻኺሞም ኣኪቦመን ተዓዝሩ። ወዶገባ፡ ካብ ምለዛናይ ለቒቖም ናብ መበገሲ ቦታኦም ድሕሪ ምምላሶም፡ ኤምዳድ መስርዕ ሰሜን ደርሁታ ክትርከብ ናብ ኢታይ ከደት። ግን፡ ደርሁ ኤምዳድን ናይ ኢታይን ብወዶገባ ስለ ዝተወስዳ፡ ሓንቲ ጫቚት’ኳ ኣይጸንሐቶምን። እተን ኢታይ፡ ጸላእቲ ነተን ደርሁ ብኸመይ ከም ዝወሰዱወን ምስ ገለጻሎም፡ ሓደ በቲ ዅነታት ዝተቖጥዐ ኣባል ዕቃበ ብረት፡ ናብ ኢታይ እናጠመተ፡ “ዕደ፡ ናተይ እየን ዘይትብልዮም! ስኣን ሓንቲ ጠቓዕ ኣቢልካ ምምሓልሲ ደርሁት ኣውሲድክየን፧” ኢሉወን። * * * ሰራዊት፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ መዓስከር እናተበገሰ ክነጥፍን ክወፍርን ምግባር፡ ብወተሃደራዊ ድስፕሊን ንምሓዙን ንምቕያዱን ሓጋዚ እዩ። ኣብ ማእከል ህዝቢ ከተቐምጦ ምፍታን ግን፡ ብቐዳምነት ንናይ ገዛእ ርእሱ ጸጥታዊ ውሕስነት ኣየተኣማምንን፣ እቲ ሰራዊት’ውን ምስ ህዝቢ ዘየረዳድእ ጕዳይ ክፍጠር ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ተጋደልቲ፡ ብፍላይ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝንቀሳቐሳ ኣሃዱታት፡ ምስ ህዝቢ ተሓዊሰን ዘካይዳኦ ናይ ምትሕግጋዝ ንጥፈታት ልሙድ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ተጋዳላይን ናይ ምትእምማን መንፈስ’ውን ስለ ዝነበረ፡ ሓይልታት፡ ንሓደ መዓልቲ፡ እንተ ነውሐ ሳልስቲ ኣብ ሃዳሙን መረባብዕን ዓዲ ከም መጽለልን መዕረፍን ክጥቀማ ይኽእላ ነይረን። ገሊአን ክፍልታት ውድብ ግን፡ ሰብ ዘይነብረሉ ዕጹው ገዛ ከፊተን፡ ከም ቤት ጽሕፈታትን መዕቆቢ ንብረተንን ገይረን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ይቕመጣ ነይረን እየን። ኣብ ከምዚ፡ እቲ ተጋዳላይ፡ ክብርታት ገድሊ ዝዓቀበ ዲስፕሊን ሓልዩ ምስ ህዝቢ ይዋሳእ ነይሩ። ግን ከኣ፡ ሰባት ከም ምዃኖም መጠን፡ ምስ ምልምማድን ዝደጋገም ርክብን፡ ኣብ መንጎ ሓደ ኽልተ ኣንጻር ጾታ ሲቭልን ተጋደልትን ናብ ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክባት ክምዕብል ይርአ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መስርዕ ዕቃበ ብረት ገርገር ዘጋጠመ ክጥቀስ ይከኣል። ሓንቲ ወይዘሮ ናብታ መስርዕ እናመጽአት ናይ ኣካዳሚያዊ ዓቕማ ከተማዕብል ትጽዕር ነይራ። ሓደ ካብቶም ዝሕግዙ ዝነበሩ ብጾትና ግን፡ ክንዮው ምምሃርን ምስትምሃርን ኣካዳሚ ዝኸደ ምስኣ ፍሉይ ርክብ ጀሚሩ። ገለ ካብ ኣባላት፡ ኵነታቱ ኣቀራርባን ኣጠማምታኡን ደረት ይሓልፍ ከም ዝነበረ ከስተብህሉሉ ጀሚሮም። ተጸናጺኖም ድማ ምስኣ ስጋዊ ርክብ እናፈጸመ ረኺቦሞ። እዚ ሰብ ካብቶም ዝነበሩ ኣባላት ዝገደመ፡ ብስለት ኣተሓሳስባኡን ዕድመኡን ዝሓሸ እዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ብፍቶት ጓል ኣንስተይቲ ተሳዒሩ። ክብርታት ኣሃዱን ውድብን ግሂስካ ተባሂሉ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላቱ ነብሰ ነቐፌታ ክገብር ከም ዘለዎ ተሓቢሩዎ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሰሜን ዝነበሩ ኣባላት፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ህዝቢ ርክባት እናገበሩ፡ ግን፡ ኣብ መንጎኦም ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ክኽሰት ንምጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ። ዳርጋ ኩሎም’ቶም መንእሰያት ኣብ ስርሖም ዕቱባትን ብዲስፕሊን ቅዩዳትን እዮም ነይሮም። እቲ ምስታ ወይዘሮ ጌጋ ዝፈጸመ ብጻይ ከኣ፡ ኣብቲ ኣሃዱ ዘሎ ቀይድን ዲስፕሊንን ተሪር ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ብኸምዚ ክቃላዕ ከቢድ ጕዳይ ኰኖ። ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ፡ ሃንደበት ኣብ መስከረም 1988 ካብታ ኣሃዱ ተሰወረ። ምጥፋእ ናይቲ ብጻይ ከኣ፡ ኣብ ኣባላት ኤምዳድ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ኣኸተለ። ኣብ ዕቃበ ብረት ድሕሪ መስመር ጸላኢ፡ ሓደ ኣባል እንተ ጠፊኡዎም፡ ከም ካልኦት ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ተራ ጕዳይ ኣይኮነን፣ ኣብ ካልኦት ኣሃዱታት፡ ሓደ ተጋዳላይ ናብ ጸላኢ ኢዱ እንተ ሂቡ፡ ብዙሕ ኣሸጋሪ ኣይኮነን። እቲ ንሱ ንጸላኢ ከቐብሎ ዝኽእል ሓበሬታ ድሩትን ንእሽቶን ስለ ዝዀነ፡ ዓቢ ስክፍታ የብሉን። ሓደ ኣባል ዕቃበ ብረት ንጸላኢ ኢዱ እንተ ሂቡ ግን፡ ኣዕናዊ እዩ። ብዛዕባ ኹሉ ንሱ ዝፈልጦ መኻዚኖታት ኣጽዋር ንጸላኢ ሓበሬታ እንተ ኣቐቢሉ፡ ጸላኢ፡ እንተሓመቐ ብኸቢድ ቦምባታት ነፈርቲ ገይሩ ከዕኑዎ ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣባል ካብታ መስርዕ ድሕሪ ምስዋሩ፡ ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ክሳብ መዓልቦኡ ዝረጋገጽ ምጽባይ ዘድልይ ኣይነበረን። ነቲ ኣጽዋር፡ ተቐላጢፍካ ካብ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ኣልዒልካ ኣብ ሓድሽ ቦታ ክቕበር ነይሩዎ። እታ መስርዕ፡ ንስራሕ ክትብገስ እንከላ፡ ክራማት ምስ ምንባሩ ከቢድ ስራሕ ይጽበያ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝፈሓርካዮ ምስ ከባቢኡ ንኸተመሳስሎ፡ ካብ ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ዝያዳ ኣብ ግዜ ክራማት ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ግብሪ ንምትግባሩ ዝሓተተ ጕልበት ከኣ ዳርጋ መለክዒ ኣይነበሮን። ንዅሉ’ቲ ብዝጠፍአ ብጻይና ዝፍለጥ ትሕተባይታዊ መኻዚኖታት ሰሜን ኵዒትና ናብ ሓድሽ ቦታ ከነግዕዝ ከቢድ ድኻም ሓቲቱና። ድሒርና ከም ዘረጋገጽናዮ ግን፡ እቲ ካባና ዝጠፍአ ኣባል ንጸላኢ ኢዱ ኣይሃበን። እቲ ዘጋጠሞ ጕዳይ ግዲ ነውጺ ፈጢሩሉ፡ ክሳብ ንሱዳን መስገሪ መንገድታት ዘጽንዕ፡ እታ ወይዘሮ ኣብ ዘለዎ ከይዳ መግቢ እናብጽሐትሉ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ብዓትታት ጉርጂም ተሓቢኡ ጸኒሑ። ድሕሪኡ ንሱዳን ከም ዝኸደ ተፈሊጡ። ካብቲ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝነበረና ኣስታት 80 ዝኸውን ትሕተ ባይታዊ ገዛውትን ጎዳጉድን፡ ብኸምዚ ዝበለ ጥንቁቕ ኣገባብ ስለ ዝተሓዝ ዝነበረ፡ ክሳብ ግዜ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዝወደቐ ኣጽዋር ኣይነበረናን። ምናልባት፡ ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይበዝሕ ጎዳጕዲ፡ ኣብ ምህናጹ፡ ወይ ብምኽንያት ባህርያዊ ጸገማት ንሓደጋ ዝተቓልዐ ነይሩና። ከሎ ገና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይመጽአ ድማ፡ ብእዋኑ መፍትሒ ተገይሩሉ። ካልእ፡ ኣብ 1986፡ ኣብ ከባቢ ከረበሻ ዝተሰርሐት ትሕተ ባይታዊ ገዛ ነይራ። ንሳ፡ ካብተን ቅድሚኡ ግዜ ኣብ ሰሜን ዝተሰርሓ ዝዓበየት ኮይና ግን፡ ኣገልግሎት ከይሃበት ብገባር ተቓሊዓ። እዚኣ፡ ካብተን ኣዝየን ዘሕዘናና እያ ነይራ። ኣባላት ዕቃበ ብረት፡ መኸዘኒ ትሕተ ባይታዊ ገዛ ክሰርሑ ከለዉ፡ ኣብ በረኻን ዳርጋ ፍጹም ሰባት ዘይንቀሳቐሱሉ ከባቢን እዮም ዝመርጹ። ማይ ዘለዎ እንተኾይኑ፡ ናይ ጓሶት ምንቅስቓስ ክህሉ ስለ ዝኽእል ተመራጺ ኣይኮነን። ተጀሚሩ ኽሳብ ዝውዳእ ብቕርጡው ጉልበትን ብስቱርን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ዋርድያ፡ ካብ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዘይነውሕ ግዜ ይውድኡዎ። እታ ንዓይኒ ህዝቢ ተቓሊዓ ዝተረፈት ጕድጓድ ግን፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኣብ ምስራሓ ሓሙሽተ መዓልቲ ወሲዳ። ነቲ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ሰብ’ውን እቶም ገባር ከም ዝረኣዩዎ ተረጋጊጹ። ብኡ ድማ እታ ስራሕ ከም ዝፈሸለት ተፈሊጡ። ንኣባላት ዕቃበ ብረት፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስራሕ (ካብ ጕድጓድ ኣጽዋር ኣብ ምውጻእ ወይ ምቕባር) እንከለዉ፡ ዘይተጸበዩዎ ሃንደበትነት የጋጥሞም ነይሩ። ኣብ ከባቢ ከርበሻ፡ ናይ ሓደ ሰዓት ጕዕዞ ንሩባ ከርበሻ ሓሊፍካ፡ ካብ ቀጣን መንገዲ 500 ሜትሮ ዝኸውን ንደቡብ ድሕሪ ምልጋስ፡ ሓንቲ ተተኮስቲ ዝተቐብረላ ጕድጓድ ነይራ። ክልተ ኣባላት፡ ሰለስተ ኣግማል ሒዞም ኣጽዋር ከውጽኡ ለይቲ ተበጊሶም። ጎላጕል ስለ ዝዀነ፡ እቲ መእለዪ መንገዲ ኣደናጋሪ፡ ዳርጋ ብሓገዝ ኣግማል’ዩ ዝፍለጥ። እቲ ኸባቢ ብዘይካ እንስሳ ዘገዳም፡ ሰብ ዘይንቀሳቐሶ ደረቕ ቦታ እዩ። እዞም ሰባት ጥራሕ ነብሶም ኮይኖም፡ ይዅዕቱ ነበሩ። ግን፡ ዘይተጸበይዎ፡ ሓደ ገመል ዝጠፍኦ ገባር “ዎሰብ … ” እናበለ ኣብ ጥቓኦም በጺሑ። እዞም ተጋደልቲ፡ ሃንደበት፡ እሞ ኸኣ ኣብ ሰብ ዘይንቀሳቐሶ በረኻን ለይትን ድምጺ ብምስምዖም ደንጽዩዎም። እዚ ገባራይ እናቐረበ መጺኡዎም። እዞም ተጋደልቲ፡ ‘እንታይ ዝዀንካ ኢኻ’ እንተ ኢሎሞ፡ እንታይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ንሓደጋ ምቅላዕ ኮይኑ ረኸቡዎ። ግን መልሲ ዘይምሃቡ እዮም መሪጾም። እቲ ገባራይ ኣብ ጥቓኦም ምስ በጽሐ፡ ጥራይ ነብሶም (ብዘይ ክዳን) ሓፍ ኢሎም ደው ብምባል፡ ከምዛ ማርሞ ተተሓሒዞም ትም ኢሎም። እዚ ገባራይ፡ ብዘይካ ደረቕ ትርኢት ዝኾነ ድምጽን ምንቅስቓስን ምስ ሰኣነ፡ ብፍርሒ ኣንቀጥቀጠ። “ብስሚላህ! ብስሚላህ! ሸጣን! ሸጣን!” እናበለ፡ ግልጽ ከይበለ ዕርብ ኢሉ። ድሕሪ ምህዳሙ፡ እቶም ተጋደልቲ ስራሖም ፈጺሞም። እቲ ገባራይ ግን፡ ብግዜ ለይትን ጸምጸም በረኻን ከምኡ ዓይነት ምስሊ ኣጋጢሙዎን ካብ ሸጣን ምባል ሓሊፉ እንታይ ክብል ይኽእል። ሳላ ከምኡ ዝተገብረ፡ እዛ ጕድጓድ ክሳብ ድሮ ናጽነት ካብተን ውሑሳት ተተኮስቲ ዝተኸዘነላ ኮይና ጸኒሓ። ‘ሰይጣን እንድዩ ተራእዩ’ መን ክደፍራ። #Eritrea ይቕጽል ደበሳይ ተስፋዝጊ - ማ/ምርምርን ስነዳን ቤ/ጽ ሓለቓ ጠ/ስታፍ
107
133
1,739
Wegreat Sahel.🇪🇷 retweeted
ፈስቲቫል ባህላዊ ትንሳኤ ብሊን ኣብ ሓሊብመንተል ገርግስ ፍቓድ ሓሊብመንተል ካብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ጥርኑፋት ዓድታት ብሊን ኣብ ቀዳምነት እትጥቀስ ኮይና፡ ከም ጂኦግራፍያዊ ኣቃውማ’ውን ኣብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ-ከረን፡ ኣብ የማነ ጸጋም ደረት ጽርግያ ካብ ከተማ ከረን ንምብራቕ ናይ ዓሰርተ ኪሎሜተር፡ ካብ ሓውሲ ከተማ ዒላበርዕድ ንምዕራብ ከኣ ተመሳሳሊ ዳርጋ ዓሰርተ ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ ንኹለን ኣብ ክሊ’ዚ ከባቢ’ዚ ዝርከባ ጐደቦታት ዓድታት ብሊን እተማእክል ናብ ሓውሲ ከተማ ገጻ ዝማዕበለት፡ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዕምርቲ ዓዲ እያ። ኣብ ሓሊብመንተል ዓመታዊ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ፡ ብኣጋጣሚ ዳሜራ (በዓለ መስቀል) ብፍሉይነት ዝጽንበል፡ ኣብ ትንሳኤን ዕቃበን ባህሊ ብሊን ፍሉይ ሕላገት ዘለዎ ባህላዊ ፈስቲቫል ይካየድ ኣሎ። እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዝሳተፎ ጽንብል ዓመት-መጸ ፍሉይ ምድላዋት እናተገብረሉ ብደረጃ ዓድታት ዝቐርብ ዝተፈላለየ ባህላዊ መደባት እዩ ዘአንግድ። እቲ ጽንብል ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዳኸመን እናሃሰሰን ዝመጸ ባህላዊ ጸወታታት እዩ። ክሳብ መጀመርያ መፋርቕ ዕቑድ 2000 ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪት ድሕሪ’ቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ምዝዛሙ ዝቕጽል ዳርጋ ናይ ብምሉአን ዓድታት ብሊን መንእሰያት ከበሮታቶም ሒዞም ብምምጻእ ካብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ጀሚርካ ክሳብ መቐልቀሊ ከተማ ኣብ ዘሎ ቦታ በብዓዶምን ጎደቦታቶምን እናተኣኻኸቡ ናይ ጓይላ መድረኻትን ባህላዊ ጸወታታትን የካይዱ ምንባሮም ይዝከር። እቲ ባህላዊ መደብ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ምስቲ ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ከማስዩ ስለዘይፍቀደሎም ብጥርኑፍ ነናብ ዓዶም ብምኻድ ይቕጽልዎ። ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ’ዚ ሎሚ ስታድዩም ከረን ተሃኒጹሉ ዘሎ ቦታ ዝጽንበል ኣብ ዝነበረ በዓለ መስቀል’ውን ብተመሳሳሊ ድሕሪ’ቲ ወግዓዊ ጽንብል እቲ ሂር ዝብል ድሙቕ ጓይላታት ዓድታት ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ቀጺሉ ይውዕል ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት’ዚ ዝወጽእ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሕደማታት፡ ንመድረኻዊ ኩነታት፡ ንማሕበረ-ባህላዊ ህይወት፡ መነባብሮ፡ ፍቕሪ … ዝገልጽ ተዘካሪ ደርፍታት ኣሎ። ከም ኩለን ብሄራት ሃገርና፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ብሄረ ብሊን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ወቕትታት ናይ ዓመት ዝካየዱ፡ ምስ ሕርሻ፡ መጓሰን ማሕበረ-ባህላዊ ህይወትን ናይቲ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ወግዕታትን ያታታትን ኣለዉ። ናይ ብሊን ያታዊ ዓውደ-ኣዋርሕ’ውን ምስ ወቕቲ ኣየት፡ ክራማት፡ ሓጋይን ቀውዕን ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ። ኣብቲ ሎምዘበን ኣብ ቀጽሪ ደብሪ መስቀል ዝተኻየደ ጽንብል ባህላዊ ፈስቲቫል፡ ኣመሓዳሪት ን/ዞባ ዒላ በርዕድ ወ/ሮ ዓሻ ዓሊኖር፡ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሓመድዓሊ እድሪስ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸተኣብ፡ ሓላፊ ጨ/ባህሊ ዞባ ዓንሰባ መም. ሃብተማርያም መሓሪ፡ ስታፋት ምምሕዳርን ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ን/ዞ ዒላበርዕድ፡ ዓበይቲ ዓዲን ህዝብን ተረኺቦም ነይሮም። በዓለ መስቀል (ዳሜራ) ሃያማኖታዊ ጽንብል’ኳ እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ቅዳሴን መንፈሳዊ መደባት ኣምልኾ ምዝዛሙን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ንባህላዊ ንጥፈታት ዝተወፈየ እዩ። ነዚ መደባት’ዚ ንምንጥጣፍን ንምዕዋትን ኣባ ረዘነ በረኸተኣብ ዝርከብዎም ናይ’ቲ ከባቢ ቆሞሳትን ሓለፍቶምን ኣተባባዕን እወታውን ተራ ኣለዎም። ሎምዘበን ብኣወሃሃዲት ኮሚቴ ባህላዊ ፈስቲቫል ሓሊብመንተል ምርኢተን ከቕርባ ዝተመዘዛ ዓድታት ወስበንስሬዂ፡ ቊንዕ፡ ደረቊን ሓሊብመንተልን ብድምር 4 እየን። ነፍሲ ወከፈን ከኣ ዘዝተዋህበን ባህላውን ያታውን ወግዒ ሒዘን ብተራ መስርዕ ቀሪበን። እቲ ጽንብል በብእዋኑ እናማዕበለን እናወርጸጸን፡ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ብተኸታታሊ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7 ዓድታት እየን ተመሳሳሊ መደባት ኣቕሪበን። ነቲ ምርኢት ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣዳራሽ ይኹን መድረኽ (ስቴጅ) ስለዘየሎ፡ ኣብ ሌጣ ጎልጎል ናይ’ቲ ቀጽሪ እየን መደባተን ዘርእያ። እቲ ዝቐረበ ምርኢት፡ ነፍሲወከፍ ዓዲ ኣቐዲማ ምድላዋት ክትገብረሉ ዝጸንሐት፡ ብዘይ መሃዝነት ዝቐርብ መበቆላዊ ያታታትን ወግዕታትን ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ከኣ ኣዝዩ መሳጥን ሕብራውን እዩ። እዚ ያታታት እዚ ሎሚ ዳርጋ ፈጺሙ ሃሲሱ፡ ወይ’ውን ተሪፉ ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ወሪዱ ብምህላዉ፡ ኣብ ምዕቃብን ምውርራስን ባህሊ ዘለዎ ኣበርክቶ ዕዙዝ እዩ። መጀመርያ ምርኢት ዘቕረበት ዓዲ ወስበንስሬዂ ኮይና ምልጻይ ጸጒሪ ህጻናት ካብ ዕሸል ወዲ ሓደ ዓመት ክሳብ ዕድመ ግርዝውናን ኩትትናን ዝገልጽ እዩ። ህጻን ወዲ ሓደ ዓመት ምስ በጽሐ ካብ ምንፍሓዅ ናብ ታተ ምባል ኣብ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ፍሉይ ጽንብል’ዩ ዝግበረሉ። ኣብ ባህሊ ብሊን ብወግዒ ዝጽንበል ዕለተ ልደት’ውን ኣብዚ ዕድመ’ዚ ጥራይ እዩ። እቲ ህጻን ኣብ ማዕጥቖኡ ንእሽቶ ቃጭል ዘለዎ ብዛዕጎል ዝተሰለመ ቁልፊ ኣለዎ። እዚ ቁልፊ’ዚ “ጀዊራ” ይበሃል። ኣብ ጽንብል ዕለተ ልደቱ፡ እቲ ህጻን ኣብ ደረቕ ድዅዒ ጥሪት ኮፍ ይብልን ይረግጽን፡ ኣደታት ከኣ ደጋጊመን ዕልልታ እናደርጎሓ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ቆሎ ዕምባባ ይንስንሳሉ፡ ኣብ ሕቖኡ ቅጫ ይቝረስ፡ ኣደታት ቡነን እናሰተያ ህጻናት ከኣ ከቢቦመን ምስአን ይጽንብሉ። ምልጻይ ናይ’ቲ ህጻን ክሳብ ወዲ ሓደ ዓመት ዝኸውን፡ ብማእከል ርእሱ ካብ ጫፍ ግንባሩ ክሳብ ዳሕረዋይ ወተጉ ኣብ ማእከል ቅርጺ ማዕጺድ ወይ ሰርቂ-ወርሒ እትመስል መስመር ብምግዳፍ ብምሉኡ እቲ ካልእ ክፋል ርእሲ ይላጸ። እዚ ምልጻይ’ዚ “ሕሮርያ” ይበሃል። ድሕሪ 1ይ ክሳብ 8ይ ዓመቱ ዝበጽሕ ከኣ ወዲ ይኹን ጓል “ግሰት” ዝበሃል ኣብ ማእከል ርእሲ (መንበስበስታ) ዕብይ ዝበለት ጭንግዓት ብምግዳፍ ብምሉኡ እቲ ካልእ ክፋል ርእሲ ይላጸ። ጓል እንተኾይና ግን ኣብ ርእስ’ቲ ጭንግዓት ኣብ ዳሕራይ ወተግ ንእሽቶ ዘይተላጸየ “ሽማመት” ዝበሃል ጸጒሪ ይገድፉላ። ኣብ ዕድመ ግርዝውናን ኵትትናን ምስ በጽሑ ከኣ ምሉእ ርእሲ ይላጸ “ጉልሓይ” ይኸውን። ብድሕሪ’ዚ ወዲ በብእዋኑ እናተቐምቀመ ዓሊባበኡን ኣፍሮኡን ኪከናኸን ከሎ፡ ጓል ከኣ ጽጒራ እናዓበየ ብምኻድ ኣብ እዋን መርዓኣ ድሕሪ ሕጽኖታ ኣብ ናይ ቊኖ ደረጃ በጺሑ ይጸንሕ። እዚ ባህላዊ ወግዕታት’ዚ ባህላዊ ክዳን ብዝተኸድኑ ኣቦታት ኣደታትን ህጻናትን ብግብሪ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ተራእዩ። ድሕሪ ወስበንስሬዂ ዝሰዓበት ዓዲ ቊንዕ ኮይና ወግዒ “ሽንጋለ” እያ ኣርእያ። ሽንጋለ ዝበሃል ወግዒ ምስግጋር ብጽሕና ኮይኑ ሓደ መንእሰይ ዓቕመ-ኣዳም ምስ በጽሐ ቅድሚ ሕጸ ዝትግበር ንተጻዋርነትን ብቕዓትን ናይቲ መንእሰይ ዝፈታተን በዳሂ ወግዒ እዩ። በዚ ወግዒ’ዚ ዘይሓለፈ መንእሰይ ከኣ እኹል ሰብኣይ ተባሂሉ ኣብ ባይቶ ዓዲ ክሳተፍ ኣብ ወግዕን ደረጃን ሽማገለታት ክጽንበር ኣይክእልን። ወግዒ ሽንጋለ ዝገብር መንእሰይ ኣቐዲሙ እቶም ቀንዲ ኣዕሩኽቱ ተሓቢሮም ቆጸራ ይተሓዝ። እቶም ዘሰንይዎ ኣዕሩኽቱ ንሽንጋለ ከበግስዎ ከለዉ፡ ኣቐዲሙ (ማጓ) ጉልሓይ ተላጽዩ እዩ ዝጸንሕ። መበገሲ መስርሕ ናይ ምውታግን ምምራቕን ብኣኮታቱ ምስ ተገብረ፡ ሳእኑ የውጽኡሉ፡ ነጸላ ተወንዚፉ’ውን ኣእዳዉ ኣብ ውሽጢ ደረቱ ይዅርመ። በትሪ ይኹን ዝኾነ ነገር ክሕዝ ኣይፍቀደሉን። ብዓዲ ኣኮታቱ ዝጅምር መስርሕ ምውታግን ምምራቕን፡ ምብላዕ ገዓት፡ ኣብ ኩለን ቀንዲ ቤተሰቡ ኣኮታቱ፡ ኣሞታቱን ሓትኖታቱን ዝርከቡሉ ዓድታት እናተዛወሩ ይቕጽሉ። እቲ ዝኸድዎ ዓድታት ከከም ርሕቀቱ ገሊኡ ናይ ሰዓታት ገሊኡ ከኣ ናይ ለይትን መዓልትን ጉዕዞ እግሪ ዝሓትት እዩ። መኪና ይኹን ዝኾነ መጽዓኛ ኣይፍቀድን። ኣብዚ ሰሙን ወይ ሰሙናት ዝወስድ መስርሕ፡ እቶም ኣዕሩኽቱ ከም ምሩኽ ሒዞሞ እናተዘናግዑ ክኸዱ ከለዉ፡ እቲ ዝሽንግል መንእሰይ ግን ኣዝዩ ሓያል ተጻዋርነት ዝሓትት በዳሂ ፈታኒ ቅንያት እዩ ዘሕልፍ። እቲ መንገዲ ኩርኳሕ ይኹን እሾኽ ይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ዋላ’ውን ሓድሓደ እዋን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓጹር ስለዝደፍእዎ ፈታኒ ግድል እዩ። ድሕሪ ቁንዕ መደብ ዘቕረበት ዓዲ ደሮቚ ከኣ፡ ወግዒ “ምርጣጠ” እያ ኣቕሪባ። ዝኾነ ኣብ ግዜ ሽንጋለ ርእሱ ዝተላጸየ መንእሰይ፡ ሓደ ዓመት ምሉእ ጸጒሪ ርእሱ እናተኸናኸነ ብምጽናሕ ኣብ እዋን ምርጣጠ ይበጽሕ። ምርጣጠ ኣብ ምዝዛም ክራማት ኣብ ቅንያት መጀመርያ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ኮይኑ ጸባን ጠስምን ብብዝሒ ኣብ ዝርከበሉ ወቕቲ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ጣሻ፡ ሩባ፡ ወይ ስንጭሮ መሪጽካ እዩ ዝግበር። ኣብ ዕለት’ቲ ምርጣጠ ኩሎም ጓሶት ሓሓሊቦም ጻልጣ ጸባ ኣብ ቦታ ናይ’ቲ ምርጣጠ የምጽኡ። እቶም ኣብ ሽንጋለ ዘሰነይዎ ኣዕሩኽቱን ካልኦትን ብሓባር ኣብ ዝጽንብልዎ ምርጣጠ ከኣ፡ በብወግዕታቱ ብርኩታታት ይብርኮት’ሞ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ጽንብል ከብዲ ምላሽ ይበልዑን ይሰትዩን። እቲ ዝምርጠጥ ዘሎ መንእሰይ (መንደላይ) ከኣ፡ እቲ ላዕለዋይ ኣፍሮ ገዲፍካ ናይ ጎድኒ ርእሲ ጸጒሩ ይቚነን። እዚ ቊኖ’ዚ“ላንኪት” ይበሃል። ኣብ ክሊ ዕድመን መስርሕን ሽንጋለን ምርጣጠን ዝርከብ መንእሰይ ከኣ “መንደላይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ መጨረሻ ምርኢት ዘቕረበት ዓዲ ከኣ ሓሊብመንተል (ሓቢንመንተል) ኮይና “ወግዒ ምፍላይ ሓዳር”፡ መርዓውን መርዓትን ናይ ሕጽኖትን ምሕንቃቕን እዋኖም ወዲኦም ሓዳሮም ዝፈልዩሉ መድረኽን ኣገባብን ዘርኢ መደብ ኣቕሪባ። ኣብዚ ብመሳጢ ድራማዊ ኣገባብ ዝቐረበ ምርኢት ብሓደ መዳይ ኣብ መንጎ ናይ ቀደም መርዓትን ሓማትን ዝነበረ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ክብርን ዘንጸባርቕ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ኣብዚ ዘመናዊ መድረኽ ንዘጋጥም ዘሎ ምዝንጣልን ዘይምክብባርን ዘነጻጽር ትሕዝቶ ቀሪቡ። ብሓፈሽኡ እቲ ዝቐረበ ወግዕታት ከም መዘኻኸሪ ኣርእስታቱን ላህመታዊ ሓበሬታን ንምሃብ ደኣ’ምበር ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሓሊብመንተል ኣብ ምምዕባልን ምዕቃብን ባህሊ ብሊን ተጠቃሲ ሕላገት ዘለዋ ዓዲ እያ። ብፍላይ ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሮም በብእዋኑ ዝተጠራነፉን ዝቖሙን ጉጅለታት ባህሊ ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ይኹን ብደረጃ ዞባ፡ ከምኡ’ውን ብደረጃ’ቲ ብሄር ዓቢ ዝና ዘለዎም ያታውያንን ዘመናውያንን ድምጻውያን ዘፍረየ ከባቢ እዩ። ካብ ህቡባት ድምጻውያን ብሊን ሳራ ተኽለሰንበትን ይርጋኣለም ተኽለሰንበትን፡ ሃብታት ዘርእዝጊ፡ ዮናስ መንግስቱ … ደቂ’ዚ ከባቢ እዮም። #Eritrea
168
200
2,298
#ሰላም ሐወ ወሐዋቸ መተዐበቸ ቀደረት ሰላመቸ ቀደም ። አለ አበ መነሰበት ዝክረት 50 ሰነት መተአሰስ መድረሰት ሰውረት ለዐለ ገለ ከፈ ዝክሪታትነ ንሐድስ ዶ 🇪🇷♥️
1
16
29
659