መግለጺ ኽብርን ልኡላውነትን ህዝቢ #ኤርትራ ዝኾና ባንዴራታት፡ ቅኑዕ ትርጉምን መግለጽን ንሃበለን! ንኣብነት፡ ኣብ ማእከል ኣኽሊል ዘሎ 6 ኣቚጽልቲ፡ 3 ብየማን 3 ብጸጋም፡ ንብዝሒ ዞባታት ኤርትራ ኣይውክልን!! #EritreaPrevails
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ካብ ጾር ሓላፍነት ናብ ልምዓት - ብጽንዓት!
ዕዉት ኣከባብያውን ምህርታውን ውጽኢት ዝፈጠረ ልምዓት ዝወነነት፡ ተባዕ ሓረስታይ እያ። ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ ትብሃል። ኣብ 1959 ኣብ ዞባ ደቡብ ምምሕዳር ከባቢ ጉሕ-ጨዓ፡ ኣብ ዓዲ ድቡስ ተወሊዳ። ወለዳ ኣቶ ረዳእ ጊለን ወ/ሮ ርሻን ተስፋይን 12 ደቂ ፈርዮም’ኳ እንተዀኑ፡ እቶም ሓሙሽተ ጥራይ ዓብዮም።
“እቲ ሞት፡ ንስድራና ቀሊል በሰላ ኣይገደፈሎምን። ዓዲ ገዲፎም ክወጽኡ’ውን ኣገዲዱዎም። ኣነ፡ ምዕባይ ሕሳስ-ልደ እየ። ከም ኵሉ ቈልዓ ገጠር፡ ጤለ-በጊዕ እናጓሰኹን ስድራይ እናሓገዝኩን ዓብየ። ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸብኩን። ስድራይ’ውን ቀልጢፎም’ዮም ናብ ሕጸን መርዓን ቈሪኖምኒ” ክትብል ዝኽርታታ ተካፍል ወ/ሮ ትዕበ።
መንእሰይ ትዕበ፡ ንገብረሚካኤል ክፍለጽዮን ተመርዕያ፡ ኣብ ‘ገዛ ሕድሩ’ ከባቢ ዓረዛ፡ ሓዳሮም ፈለዩ። ጸኒሖም፡ ብንግድን ሕርሻን ህይወት ንምቕያር፡ ናብ ኦምሓጀር ወረዱ። እዋኑ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ ዝነበረ ጽንኩር’ዩ ነይሩ። ሓፋሽ ህዝቢ ምስ ሰውራን ተጋደልትን ተጸንቢሩ የበርክት ነበረ። ሓደ እዋን፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር፡ ሓደ ስርሒት ብምፍጻሙ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ መኽዘን ብረት ተቓጸለን ኣዛዚ ናይ’ቲ መዓስከር ተቐትለን።
“ሕነ ናይቲ ስርሒት ንምፍዳይ፡ ብሻምበል በለው ዝምራሕ ዕጡቕ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኦምሓጀር ወፊሩ። ህዝቢ ኦምሓጀር፡ ንተከዘ ክሰግርን ሕሞራ ክኣቱን ዕድል ስለዘይረኸበ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ወሪዱዎ’ዩ፡” ብምባል ትዝክር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰ- ጾር ዝነበረት ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ። ካብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ኣጓዱን ብዓረር ጠያይት ዝጠፍአ ህዝብን፡ ንስክላ’ያ ድሒና።
ብዓል ቤታ፡ “ንስኺ ንዓዲ ክትከዲ ኢኺ፣ ኣነ ግን ክጋደል እየ፡” ስለ ዝበላ፡ ናብ ከበሳ ተመልሰት። ንዝተወሰነ ግዜ ኸኣ፡ ምስ ስድራኣ ተቐመጠትን ወዲ ተበኰረትን። ‘የማነ’ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ብዓል ቤታ፡ ፈለማ ምስ ሓፋሽ ውድባት እዩ ተወዲቡ፣ ጸኒሑ ናብ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፣ ቅድሚ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስጋሩ፡ ኣብ ኲናት ደቡብ እግሩ ተሃርመ። ካብ ሕክምና ዕረፍቲ ረኺቡ ድማ ናብ ትውልዲ ዓዱ በጽሐ። ኣብኡ ሓደ ሰሙን ጸኒሑ፡ ንሓሞኡ ሓደራ ኢሉዎ ናብ ቦታኡ ተመልሰ። ወ/ሮ ትዕበ ድማ ካልኣይ ድቂ ሓዘት።
“እንተዀነ ግን፡ ገጽን ዓይንን ‘ናዝሬት’ ጓሉ ክርኢ ኣይተዓደለን፡” ብምባል ትትክዝ ወ/ሮ ትዕበ። ብዓል ቤታ፡ ኣብ ኲናት ሰምሃር ብ12 ታሕሳስ 1977 ኣብ ከባቢ ደጎሊ እዩ ተሰዊኡ። ብድሕር’ዚ፡ ጾርን ሓላፍነትን ምዕባይ ክልተ ደቃ፡ ኣብ ዝባና ተጻዕነ። ህይወትን ናብራን እናኸበዳ ብምምጽኡ ኸኣ ናብ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ተሰደት።
“በቲ፡ ኣብ ዓዲ እንከለኹ ዝተላመድኩዎ ቊኖን ስፌትን እናሰራሕኩ፡ ህይወተይ ክመርሕ ጀሚረ። ናይ ሃገር መንቋሕቋሕታ ስለ ዝነበረኒ፡ ምስ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኰይነ፡ እናተቓለስኩን ደቀይ እናዕበኹን ናብራ ቀጺለዮ፡” ትብል ወ/ሮ ትዕበ።
“መስዋእቲ በዓል ቤተይ ድሕሪ ምፍላጠይ፡ ወጋሕታ፡ ፍትሓዊትን ቴድሮስን ዝብሃሉ ቈልዑ ወሲኸ። ናጽነት ምስ ኰነ ድማ ናብ ጀርመን ዝጀመርኩዎ መስርሕ ጉዕዞ ስደት ገዲፈ፣ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ። መንግስቲ፡ ንኹልና ተመለስቲ፡ ኣብ ተሰነይ ብጽቡቕ’ዩ ተቐቢሉና። በዚ ኸኣ ናብ ሕርሻ ተመሊሰ፡” ብምባል፡ ንፈላሚ ናይ ሕርሻ ጉዕዞኣ ትዝክር።
“እንተዀነ...” ትብል’ሞ፡ ስለምንታይ ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ ከም ዝደየበት ክትገልጽ እንከላ፡ “ኣብ ጀርመን ዝነበረት ሊያ ሓፍተይ፡ ኣስመራ እተዊ፣ ንናብራኺ ዝኸውን ኣነ ክሕግዘኪ’የ ስለ ዝበለትኒ፡ ናብ ኣስመራ ደዪበ፣ ኣብ ገጀረት ከባቢ ‘ባርጅማ’ ኣብ ዘሎ ገዝኣ ድማ ተቐሚጠ። ነቲ ኣብ ሱዳን ዝጀመርኩዎ ቊኖ ቀጺለዮ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ደርሁን ከብትን ከፍሪ ጀሚረ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ንዘጥረኹወን ደርሁ ናብ 900፡ ከብቲ ናብ ሓሙሽተ ኣብጺሐየን። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ፡ ምስ ጽሬትን ካልእን ብዝተሓሓዝ፡ ልዕሊኡ ክኸይድ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ናብዛ ሕጂ ዘለኹዋ ቦታ ግዒዘ፡” ብምባል ናብቲ ኣውራ ኣርእስትና ኣስገረትና። “ብኸመይ፧” ዝብል ሕቶ ከኣ ኣስዓብናላ።
“ናብዚ ሕጂ ዘለኹዎ ቦታ (ኣስመራ - ከባቢ ኤክስፖ) ክጥምት ዝፈጠረ ምኽንያት ዘገርም እዩ። ቀለብ ደርሁን ከብትን ደልየ ምስ መጻእኩ’የ፡ ዓይኒ ኣውዲቐሉ። ንእሽቶ ቃጽዖ ሓሪሰ፡ ክዘርእ ጀሚረ፣ ብድሕሪኡ፡ እዚ በዱ ቦታ ክለምዕ ይኽእል’ዩ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ፡ ነቲ ቦታ ኣደላዲለ ከልምዖ ፍቓድ መንግስቲ ንምርካብ፡ ዘይበጻሕኩዎ ቤት ጽሕፈት ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ፡ ‘እኽእል’የ እንተ ኢልኪ ደኣ ኣልምዕዮ፡’ ተባሂለ ተፈቒዱለይ።”
“ሰብ ኣማኺሩኒ፡ ናብ መደብ ውህለላን ልቓሕን ከይደ፣ ወትሩ እናዘከርኩዎ ዝነብር፡ ሓላፊ ናይቲ መደብ ኣቶ ተስፋይ፡ ንዝነበረኒ ሓቦን ተስፋን ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ። ኣነ ዝሓሰብክዎ ሰለስተ ሽሕ ጥራይ እዩ ነይሩ። ‘ኣብ ግዜኡ ጥራይ ክፈልዮ እምበር፡ 30,000 ክንህበኪ ኢና፡’ ብምባል ናይ ልቓሕ ዕድል ተኸፊቱለይ። በዚአንን ብዝነበራኒ ቍሩብ ቁራቦ ገንዘብን ገይረ ድማ ምድልዳል መሬት ጀሚረ። ዒላ ማይ ክፍሕር ናይ ግድን ብምንባሩ፡ ወርቀይን ገንዘበይን ኵሉ ኣፍሲሰዮ፡” ብምባል፡ ተሪር ከውሒ ንምስባር ሓያል ጻዕርን ከቢድ ወጻኢታትን ከም ዝኸፈለት ትገልጽ።
ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ፡ ሓደ ሄክታር መሬት ኣደላዲላ፡ ናብ ምሉእ ዓመት እተልምዓሉ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተጸንበረት። ራብዓይ ርእሳ ድማ ናብ ሰፊሕ መደብ ወፈረት። ክኢላታት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ኣስመራ፡ ብምኽሪ፡ ስልጠናን ምክትታልን ኣተባብዕዋ። ኣብ ሓጺር ግዜ ተስፋኣ በርሃው ኢሉ ተራእያ። ብውሱናት ዓይነት ኣሕልምቲ ዝጀመረቶ ልምዓት ናብ ዝለዓለ ኣስፍሓቶ። ኣይደንጐየትን፣ ካብ መደብ ውህለላን ልቓሕን ዝተዓደየቶ ገንዘብ ቀልጢፋ ከፈለቶ። ሓንቲ ካብቶም ቀልጢፎም ዕዳኦም ከፊሎም ዝተዓወቱ ሓረስቶት ንምዃን ከኣ በቕዐት።
“ኵሎም ኣባላት ሕርሻ፡ ኣብርሃም፡ ኣባዲትን ካልኦትን ብዘይምቁራጽ እዮም ተመላሊሶምኒ። ናይ ብሓቂ ኸኣ ኣተባቢዖምኒ’ዮም። ንሳቶም ጥራይ ዘይኰኑ’ውን፡ ኣማሓዳሪት ንኡስ ዞባ ገጀረት ወ/ሮ ትብለጽ ተስፋሚካኤል ምስ መሳርሕታ ኣጆኺ ምባል ኣየቋረጹን፡” ትውስኽ።
ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ሕርሻ፡ እምነ ኵርናዕ ልምዓት ሃገር ምዃኑ እትኣምን ናዝሬት ጓላ ብወገና፡ “ኣደይ ብግብሪ መምህር ዝተቐየረት ሓረስታይ እያ። ንግሆ ተንሲኣ ስራሕ ትቈጻጸር፡ መደብ ስራሕ ተውጽእ፡ ዝጐደለ ትምልእ፡ ከምዚ ግበሩ ከምዚ ስርሑ እናበለት’ውን ትከታተል፡” ብምባል፡ ካብ ወላዲታ ልዑል ናይ ስራሕን ኣሰራርሓን ተመኵሮ ከም ዘጥረየት ትምስክር።
ኣብ ሽቕለት ዝፈጠረቶ ዕድል ክትገልጽ ከላ፡ “ከከም ግዜኡን ኵነታት ስራሕን፡ ቁጽሮም ዝፈላለ ሰራሕተኛታት ኣለዉኒ። ንዓይን ሰለስተ ደቀይን ከይሓወስካ፡ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝበጽሑሉ እዋን ኣሎ። ኣብዚ እዋን ከኣ ፍረ ጻዕረይ እሓፍስ ኣለኹ። ከምዚ ከማይ ዝጸዓረ ሰብ፡ ክዕወት ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን’የ፡” ብምባል፡ ንኻልኦት ብዘተባብዕ ምስክርነት፡ ዕላላ ትዛዝም ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ።
ንሳ፡ ናይ ጻዕራማት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሓንቲ ኣብነት እያ። ካብ ከቢድ ጾር ናብራ፡ ናብ ሰፊሕ ልምዓት ሕርሻ ዝበቕዐት ጻዕራም ሓረስታይ እያ። በዱ መሬት፡ ናብ ሓምላይ ዝቐየረት ጸዓተኛ ኣደ’ያ። ከም ኣደ፡ ከም ሓረስታይን ከም ኣብነታዊት ኣልማዒትን እትግለጽ፡ ንብዙሓት ድማ ኣብነት እትኸውን ታሪኻዊት ኣደ!
ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ)
ምንጪ፦ መጽሔት ፍረ-ጻዕሪ ቍ.8
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር! 🇪🇷
📅 ቀዳም፡ 12 ታሕሳስ 2026
📍 ቦታ፦ ከተማ ሱንድስቫል (Sundsvall), ሽወደን
ህዝባዊ ሰሚናር ንነበርቲ ሱንዱስቫልን ከባቢኡን ብኣቶ መሓመድ ዓሊ መ/ሲዒድ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ
ቦታ፥ ከተማ ሱንዱስቫል Sundsvallኣብቲ ሰሚናር ክሉኹም ኤርትራውያን ክትሳተፉ ንዕድም።ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ኪለኣኽ ኢዩ።
ሃገራዊ ሽማግለ ሽወደን
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ክተት ንሃገራዊ ሓድነት!
ልኡላውነትና ኣብ ዘተ ዝኣቱ ኣይኮነን! ሓድነትና ሓይልና፡ ናጽነትና ክብርና እዩ።
ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ! 🇪🇷
#OurSovereigntyIsNotNegotiable
#HandsOffEritrea
#NationalUnity
#Eritrea 🇪🇷
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር 🇪🇷
📅 ቀዳም ፡ 12 ታሕሳስ 2026
📍 ቦታ፡ ከተማ ኬሌፍቲዬ (Skellefteå ) ሽወደን
ህዝባዊ ሰሚናር ንነበርቲ Skellefteå ከባቢኡን ብኣቶ የማነ ገብረኪዳን
ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ
ቦታ ከተማ Skellefteå
ኣብቲ ሰሚናር ክሉኹም ኤርትራውያን ክትሳተፉ ንዕድም።
ℹ️ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ኪለኣክ እዩ።
ሃገራዊ ሽማግለ ሽወደን
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Haddas Ertra 20 November 2026
shabait.com/2026/11/20/hadda…
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
#Ethiopia’s own 2023 Ministry of Education textbooks (Grades 9 AND 11) teach millions that Ethiopia is landlocked, has no seaport, and shares an 840 km border with #Eritrea.
So what changed? Geography or political desperation?
You cannot teach landlocked in classrooms and preach #RedSea ownership on political stages. Stop confusing national ambition with sovereign rights! Eritrea’s coastline is NOT negotiable!
#EritreaPrevails #DefendEritrea #HoA #Somalia #Sudan
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Eritrea Alhaditha 20 November 2026
shabait.com/2026/11/20/eritr…
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ዕቃበ ብረት፡ ለይቶን ሃዳሙን
6ይ ክፋል
ክፍሊ ዕቃበ ብረት ለይቶ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 1982 ንደሓር፡ ከም ኣካል ሃዱታት ድሕሪ መስመር ጸላኢ ምሕደራኡ ኣመዓራረየ። ሓለፍቱ፡ ስዉእ ዘርኣይ ኣስመላሽን ሃብተማርያም ተስፋማርያን (ወዲ ቐሺ) እዮም። ሓንቲ መስርዕ ንምለዛናይ ብምስዳድ፡ እታ መስርዕ ትከታተሎ መኽዘናት፡ ሓደ ክፋል ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ካልኣይ ከኣ ኣብ ምለዛናይ ነይሮማ። ካልእ መስርዕ’ውን ኣብ ምዕራብ ማይ ጨቐምጠ (ጥቓ ሞልቂ) ዓስኪራ ነበረት። ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ማይ ጨቐምጠ፡ ምስ ምንቅስቓስ ጸላኢ ብምንጽጻር ተመራጺ ከባቢ እዩ። እቲ ኸባቢ ዝያዳ ውሑስ ቦታ ምዃኑ ስለ ዝተጸንዐ፡ ኣጽዋር ካብ ለይቶ ናብኡ ግዓዘ። ግን ከኣ ሓንቲ ኣመና ጸባብ ስንጭሮን ሕጽረት ማይ ዝነበራን ስለ ዝዀነት፡ ግዝያዊ መዓስከር ኮይና ጥራይ እያ ኣገልጊላ። መብዛሕትአን ኣብዛ መዓስከር ዓስኪረን ዝነበራ ክፍልታት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1983 ናብ ሃዳሙ ገዓዛ። ክሳብ ሰላሕታ ወራር ዝውዳእ’ውን ኣብ ሃዳሙ ኣሕለፋኦ። ብድሕሪኡ ግን፡ ኣባላት ኤምዳድ ድሃይ ኣጽዋሮም ንምፍላጥን ንሰራዊት ቀረብ ንምቕራብን ንምዕጣቕ ምልሻን ዞባውን ንቦታኦም ተመልሱ። ኣብ መረብ (ሻኻ ማይ ጤል) እውን መዓስከር ደኮኑ።
ኣብዚ ሓድሽ መዓስከር ኮይኖም፡ ንኣጽዋሮም መዕቆቢ ዝኸውን ሰለስተ ትሕተ ባይታዊ ገዛን ጎዳጉድን ሰርሑ። ወላ’ኳ ከባቢ መረብ ናይ ማይ ጸገም ዘይብሉ እንተነበረ፡ ብዝሒ መንከስቲ ጣንጡ ስለ ዘጋጥም ግን፡ ንጥዕና ምቹእ ኣይነበረን። እንተዀነ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝነበራ ክፍልታት ውድብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጥርናፈን ሓባራዊ ንጥፈታትን ከካይዳ ዝተራእያሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ድሕሪ ምሕራር ከተማ ተሰነይ (ብ1984) ብዓቕሚ ሰብን ትሕዝቶ ኣጽዋርን ደልደለ። ኣብ ምዕራብ ጥራይ፡ ካብ መረብ ክሳብ እግሪ ድቦኖን (ማይ ጨቐምጠ) የማኑ ጸጋሙን ብዙሕ መኸዘኒ ኣጽዋር’ዩ ተሰሪሑ።
ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት፡ ሓንቲ ንጎኒታታን ቁመታን ግዝፍ ዝበለት ጕድጓድ፡ ኣብ ማይ ዘይርከቦ ከባቢ ማይ ጨቐምጠ ትስራሕ ብምንባራ፡ ነቶም ንዅዕታ ዝነበርና ኣባላት ኣብ ጸገም ከም እንኣቱ ገይራትና። እቲ ንጥቀመሉ ዝነበርና ማይ፡ እንስሳታት ዘቤትን ገዳምን ዝሸናሉን ቀልቀለን ዝወጽኣሉን ሓሳኽ ኮይኑ፡ ኣማራጺ ስኢንና ብመዝቆቒ ኣሕሊፍና ንሰትዮ ነበርና። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ገለ ኣባላትና ሕማም ኣስዒቡ። ብጠንቁ፡ ክሳብ ሕጂ ክፍወስ ዘይከኣለ ሕዱር ጥዕናዊ ጸገም ፈጢሩሎም ኣሎ።
ምዕራብ፡ ማእከላይ ቦታ ብምንባሩ፡ ተደራራቢ ሰራሕ ነይሩዎ። ኣብቲ ኸባቢ ካብ ዝንቀሳቐሳ ኣሃዱታት ጀሚርካ፡ ክሳብ ንደቡብን ሰሜንን ይዕድል ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ስራሕ ከቢድ ይገብሮ። ካብ ሳሕል ዝመጽእ ኣጽዋር ተቐቢሉ፡ ዝዕቀብ ዓቂቡ፡ ዝተረፈ ናብ ዞባታት የበጻጽሕ ነይሩ። መስመር ጉዕዞ ካብ ምዕራብ ንዞባ ደቡብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ይሰግር ነይሩ። ኣብ 1981-82 ካብ ለይቶ- ሰፍኣ ናብ ዓላን ዓሊገደን ንኽበጽሕ መሬት ጽልማን መረታ ቐይሕን ነዊሕ ጕዕዞን ተኣፋፊ መስመርን ሰንጢቑ’ዩ ዝኸይድ። ኣብ1983-84 ካብ መረብ ተበጊሱ ብማይ ድማ ጌርካ፡ ዓረዛ፡ ሕረት ዑና፡ ዓዲ ቀ ተዃሉ፡ ጉሕ ጨዓ፡ ሻኻ ወድ ብስራት፡ ጓቛት፡ ሓሊቦ፡ ዓዶብዑር ዝብሃሉ ዓድታት ሓሊፍካ ንዓላ ዝበጽሕ’ውን ተመሳሳሊ ብድሆታት ነይሩዎ። ኣብ መጽዓኛ ኣጽዋር ጽዒንካ ክትጐዓዞስ ይትረፍ ንነብስኻ’ኳ ንጋዶ። ጽርግያ ኣስመራ መንደፈራን ኣስመራ ሰገነይትን ቆሪጽካ ይኽየድ ነይሩ። እዚ ጕዕዞ’ዚ፡ ብዙሕ ውረድ ደይብ’ዩ ነይሩዎ። ጽዑናት ኣግማል ሰሪዕካ ጽርግያ ክትሰግር፡ ጸላኢ ብወተሃደራውያን መካይን ገይሩ ሃንደበት ሮንዳ ህሩግ ክብለካ ዝስዕብ ጸገም ማንም ሰብ ዝግምቶ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚታት፡ ድምጺ ጸላኢ ክስማዕ እንከሎ፡ ኣግማል መስርዖም ኣብ ክልተ ቆሪጽካ፡ እቶም ሮንዳ ክሳብ ዝሓልፉ ተጸቢኻ ይስገር ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ረጽምታት የጋጥም።
ካብ መጠረሽታ ዓመት ናይ 1984 ማእከላይ ቦታ ዕቃበ ብረት ካብ መረብ ናብ ሃዳሙ ምስ ተቐየረ ግን፡ መብዛሕትኡ ጕዕዞ ንደቡብን ምብራቕን ብትግራይ፡ ሳሕቲ ኸኣ ብባሕሪ ይፍጸም ነይሩ። ኩሉ ጉዕዞታት ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ነይሩዎ። ጕዕዞ ብባሕሪ ኣብ ዝኾነሉ፡ ጸላኢ ተቖጻጺሩወን ዝነበረ ማርሳታትን ደሴታትን ሰንጢቕካ ይሕለፍ ስለ ዝነበረ፡ ቀሊል ዘይኮነ ዕንቅፋት ነይሩዎ። ብትግራይ ኣብ ዝኾነሉ’ውን ናይ ወያነ ዕንቅፋትን ምስንኻላትን እናተጻወርካ’ዩ ዝካየድ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ካብ 1983 ንደሓር ናይ ወዶገባን ወይጦታትን ምንቅስቓስ በዚሑ ነይሩ። ኤምዳድ ከኣ፡ ብዘይካ’ቲ ልሙድ ስራሖም፡ ጸጥታ ናይቲ ኸባቢ ንምውሓስ ድርብ ዕማም ወሲዱ ኣብ ሓለዋ ተዋፈረ። እቲ ሓለዋ፡ ካብ ኣብ ጽርግያታት ዝቕበሩ ነተጕቲ ክሳብ ንስለያዊ ምንቅስቓስ ጸላኢ ምክትታል’ዩ ዝኸይድ። ከምኡ’ውን ተደጋጋሚ ግዜ ምኽታት ኣባላት ስለ ዝነበረ፡ ከቢድ ተጽዕኖ ይፈጥረሎም ነይሩ።
ኣብ መጠረሽታ ዓመት ናይ 1984፡ ኣብ ምዕራብ ተደጋጋሚ ግዜ ናይ ጸላኢ ወፍርታት ዝተራእየሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ስራሕ ብሓቂ ተጸዋርነት ዝሓትት ኮይኑ። ኣብ ወርሓት መስከረም 1984 ኣብ ዓረዛ - ማይድማ ዝተገብረ ውግእ፡ ብጥቅምቲ 1984 ናይ ሞልቂ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ብሕዳር 1984 ጸላኢ ካብ ባረንቱ ንተኾምብያ ክወፍር ከሎ ብዘጋጠመ ውግእ፣ ብዕለት 26/11/84 መጥቃዕቲ ዓረዛ፣ ብዕለት 29/11/84 ግጥም ማይላም፣ ብ4 ታሕሳስ 1984 ኣብ ኩሖ፣ ብ26 ታሕሳስ 1984 ኣብ ቆሓይን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ … ፡ ዕቃበ ብረት ንድሕነት ኣጽዋሩን መስርሕ ምዕጣቕን ክብል ንኣቀማምጣኡን መበገሲ ቦታኡን ዳግመ ግምት ገይሩሉ። ካብ መረብ ንሃዳሙ ብምግዓዝ ከኣ ለውጢ ገበረ።
ኩነታት ክቀያየር ከሎ፡ ቦታታት ምቕያር ልሙድ ተርእዮ እዩ። ዳርጋ ኩላተን ክፍልታት እምበኣር፡ በቲ ዘጋጥም ዝነበረ ምንቅስቓሳት ጸላኢ ምኽንያት፡ ካብ መረብ ንሃዳሙን ጀርበትን ግዒዘን። ብዙሓት ክፍልታት ናብኡ ስለ ዝተኣከባ፡ ሃዳሙን ጀርበትን ብሰብ ኣዕለቕለቓ። ኤምዳድ ከኣ ናብዚ ቦታ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ምድላው ሓድሽ ትሕተ ባይታዊ መዕቆቢ ሰሪሖም፡ ኣብ መረብን ከባቢኡን ዝነበረ ኣጽዋር ናብ ሃዳሙ ግዒዙ ተዓቀበ። ግን እቲ ስግኣት ኣብዚ’ውን ኣየብቅዐን፣ ኵነታት ጸላኢ ገና ኣሰካፊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1985 ካብ ሃዳሙ ናብ ኣንቶረ ግዒዙ። እናሻዕ ቦታ ምቕያር ንኣባላት ኤምዳድ ሃልኪ ስለ ዝበዝሖም፡ ሓንቲ መስርዕ ካብ ኣባላት ታዕሊም ተመደበቶም። ኣባላት ኤምዳድ ጎዳጉዲ ክዅዕቱ ከለዉ፡ ናይ እንዳ ታዕሊም ከኣ ኣብ ምቝራጽ ኣዕኑድን ሰረወን ስለ ዝሓገዙ ስራሓ ተሳሊጡ።
ኣንቶረን ከባቢኡን፡ ብእንስሳ ዘገዳምን ዘቤትን ሃብታም፣ ብዝሒ ኣግራብ ስለ ዝርከባ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣግራባ ዝዀነ ንብረት ክትዕሽግ ካብ ተራኣይነት ኣይትስከፍን። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ተወሰኽቲ ብረትን ተተኮስትን (ኣጽዋር) ክመጽእ ከሎ፡ ግድን ንኹሉ ናብ ትሕተ ባይታ ምሕባእ የድሊ ኣይነበረን። ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ደርዲርካ ምቕማጡ ብዙሕ ስክፍታ ኣይነበረን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1985 ነፈርቲ ኲናት መጺአን ብዝደርበያኦ ቦምባ ንገለ ተዓሺገን ዝጸንሓ መካይን ሃሪመን ነይረን። ኣባላት ኤምዳድ ከኣ ነቲ ዅነታት ብምምዛን፡ ነብሶምን ንብረቶምን ካብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ጸግዒ ጎቦ ግዓዙ። መዓስከራቶም ካብ ሸፋቱ ንምውሓስ’ውን ካብ ኩላተን ክፍልታት ዝተዋጽኡ ተጋደልቲ ሓለዋ የውጽኡ ነበሩ።
ዕቃበ ብረትን ካልኦት ክፍልታት ውድብን ከምዚ ኢሉ ናይ ድሕሪ መስመር ምዕራብ ንጥፈታቶም እናሰላሰሉ፡ ሓምለ 1985 መጥቃዕቲ ባረንቱ ኣርከበ። ኣባላት ኤምዳድ’ውን ኣብቲ መጥቃዕትን ምርብራብን ክሳተፉ ከዱ። ስራሕ ምክትታል ናይቲ ኣብ ትሕትን ልዕሊን መሬት ዝነበረ ንብረቶም፡ ኣብ እንግድዓ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ተሪፉ። ክብደት ናይቲ ስራሕ፡ ዝያዳ ካብ ባረንቱን ከባቢኡን ናይ ምዝላቕ ውሳነ ምስ መጽአ ገዲዱ። እቲ ናብ ኤምዳድ ዝመጽአ ትእዛዝ፡ “ኣጽዋር ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ቅበሩዎ” ዝብል ነበረ። እዚ ትእዛዚ’ዚ ክመጽእ እንከሎ፡ ዕቃበ ብረት ብብዝሒ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ መሬት ነይሩዋ። እቲ ኹሉ ኣጽዋር፡ ኣይኮነን ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ናይ ሰሙናት ዕድል እንተዝወሃብ’ውን ንምቕባሩ ኣጸጋሚ እዩ። ግን፡ ኣሃዱ ዝከኣላ ክትገብር ምንቅስቓስ ጀመረት። ነቲ ኣጽዋር ኣብ ኣንደር ንምእታዉ ተዋፈረት። ግን፡ ብርቱዕ ክራማት ብምንባሩ፡ ጎዳጕዲ ኵዒትካ ኣጽዋር ከተመሳስል ኣጸጋሚ ነይኑ።
ካብ መዓስከር ዕቃበ ብረት ኣንቶረ ፍንትት ኢላ፡ ዓቢ ሩባ ሰጊርካ ትርከብ ሓንቲ ብዙሕ ንብረት ክትሰትረሎም ትጽቢት ዝተገብረላ ትሕተ ባይታዊት መኽዘን ነበረቶም። ኣብ ጥቓኣ ብማሕበራዊ ጉዳይ ዝእለዩ ህዝቢ ነይሮም። እዞም ሰባት፡ ብስቱር መንገዲ ኣጽዋር ንምእታውን ንምውጻእን የጸግሙዎም ነይሮም። መራሕ መስርዕ እዮብ ተስፋጼን፡ ብዕለት 25/8/85 ኣሃዱኡ ከመሓድር ብተብተብ ናብቲ ነቝጣ ድሕሪ ምምጻእ፡ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ኣቢሉ፡ ንሓለፍቲ ናይቶም ኣብ ጥቓ’ታ ትሕተ ባይታዊት መኽዘን ዝነበሩ ሰባት ረኺቡ፡ ‘ህዝቢ እለዩልና’ ክብሎም ተበጊሱ። ሽዑ፡ ጽሉል ክረምቲ’ዩ ዝነበረ። ባህሪ ናይ ምዕራብ - ብፍላይ ናይቲ ኸባቢ- ኣተሃራርማ ዝናብ፡ ኣብ ደቓይቕ ደበና ተኣኻኺቡ ብርቱዕ ማይ’ዩ ዝፈስስ። ኣብታ እዮብ ዝነቐለላ’ውን ከምኡ’ዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሩባታት ከኣ ብርቱዕ ውሕጅ ኣውረደ።
ኣባላት ኤምዳድ፡ ሓላፊኦም ካብኦም ምስ ተበገሰ፡ ስራሑ ወዲኡ ክምለሶም ኣብ ትጽቢት ነበሩ። ግን፡ ደንጒዩዎም። ነቶም ሓለፍቲዶ ዘይረኸቦም ኮይኑ፧ … እናተባህለ መሬት መስዩ። ከምኣ ኢላ’ውን ወጊሓ። እቲ ህጹጽ መምርሒን ምጥፋእ እዮብን ኩላቶም መልሲ ዘድልዮም ተኣፈፍትን ረበጽትን ጕዳያት፡ ብዘይ መልሲ ክሳብ ንጽባሒቱ ቀጸሉ። ሓለፍቲ ማሕበራዊ ጉዳይን ካልእን ተሓቲቶም፡ ግን፡ ንእዮብ ርኢናዮ ዝብል ሰብ ተሳእነ። ዓቕሚ ሰብ ተኸፋፊሉ፡ ገሊኦም ኣባላት ኣብ ምድላይ እዮብ ተዋፈሩ። ምናልባሽ ውሕጅ ወሲዱ ገፊዑዎ እንተጸንሐ ብምባል፡ ሩባ ሩባ ክሳብ ታሕቲ ተደልዩ ኣይተረኽበን።
ኣብቲ ሩባ’ውን ብዝሒ ዒላታት ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ብዓል ኣሓ ናቱ ዒላ ነይሩዎ እዩ። ስለ’ዚ እቶም ኣባላት፡ እቲ ብጻዮም ነቲ ውሕጅ ክሰግር ከሎ ኣብተን ዒላታት ተዋሒጡ ከይከውን’ውን ጠርጠሩ። ዳርጋ ምስ ኩላቶም ዋናታት ዒላ ኮይኖም ደልዮም ኣንፈት ኣይተረኽበን። እዮብ፡ ብሱልን መስተውዓልን፣ ትሑትን ለዋህን ብጻይ ነይሩ። ኣብ መጠረሽታ እታ ኣሃዱ፡ ምስ’ቲ እዮብ ዝነበሮ ሓላፍነት፡ ተወፋይነትን እምነት ንውድቡን ሃገሩን ብምዝማድ፡ ብጻዮም ብሓደጋ ውሕጅ ከም ዝተሰውአ ደ ምዲማ።
ማዕረማዕረ’ዚ፡ እቶም ኣሃዱ ኣጽዋሮም ናይ ምእላይ ምንቅስቓስ ተካይድ ነበረት። ዝናብን ጨፈቃን ተጻዊርካ፡ ብኽንደይ ጻዕሪ መሬት ተፋሒሩ ኣጽዋር’ውን ተቐቢሩ። ንምምስሳል ኣዝዩ ኣጸጋምን ጻዕሪ ዝሓትትን ነይሩ። ብዘይ ገደብ ግዜ ስለ ዝሰርሑ ድማ፡ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ተወጋገነ። ናቶምን ዘይናቶምን (ናይተን ካልኦት ክፍልታት) ለኪሞም ምስቲ ኣጽዋሮም ቀበሩሎም። ንብረታ ምስ ንብረት ዕቃበ ብረት ዝሓብአት ሓንቲ ካብ ክፍልታት፡ እንዳ ክፍሊ ገንዘብ ነይራ።
ንሳ፡ ሓንቲ ሳምሶናይት ዝርከቦ ንብረት፡ ኣባላት ኤምዳድ ምስ ኣጽዋሮም ክሓብኡላ ኣረኪባቶም። እቶም ዝቐብሩ ዝነበሩ ኣባላት ከኣ፡ ነዚ ንብረት’ዚ ተረኪቦም ኣብ ትሕተ ባይታዊ ገዛ ኣእትዮሞ። ነዚ ገይሮም ኣግማሎም ሒዞም ምስ ኩላተን ክፍልታት ናይቲ ዞባ ናብ ማሕከላይ (ደቡባዊ ምዕራብ) ኣዝለቑ። እንተዀነ፡ ኣብ ምዝላቕ እንከለዉ ፡ ሓደ ኣባል ካብ መንገዲ ጠፍአ። እቲ ዝተሰወረ ሰብ፡ ካብቶም ድሕሪት ተሪፎም ሳምሶናይት ተቐቢሉ ኣብ ኣንደር ዘእተወ እዩ።
ባህሪ ኤምዳድ ድሕሪ መስመር ከኣ፡ ከምዚ ከጋጥም እንከሎ ቀልጢፎም ብዛዕባ ድሕነት ንብረቶም እዮም ዝሓስቡ። ኩሉ ዝሕሰብ እንተታት ብዘየገድስ፡ ምስ ግዜ ክጓየዩ ኣለዎም። እቲ ዝጠፍአ ሰብ ገዲም ብምንባሩ፡ ኣጽዋር ዝተዓቀበሉ ኩሉ ቦታታት ይፈልጥ እዩ። ብዘይካ ናይ ምዕራብ፡ ትሕተ ባይታዊ መዕቆቢታት ናይተን ካልኦት ዞባታት’ውን ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ንብረት ዕቃበ ብረት ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ተገምገመ።
እቲ ዝጠፍአ ኣባል፡ ነታ ምስ ንብረቶም ኣብ ኣንደር ዘእተዉዋ ሳምሶናይት፡ ገንዘብ ኣሎዋ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፡ ነታ ኣንደር ብኣፍደጊኣ ፍሒሩ፡ ነታ ሳምሶናይት ብሓይሊ ሰይሩ ከፈታ። ግን፡ ገንዘብ ኣየጽንሐትን። ኣብ መወዳእታ ነታ ትሕተ ባይታዊት ገዛ ከም ዝነበረታ ደፊኑዋ ተሸሪቡ። ነቲ ኣጽዋር ንምእላይ እቲ ጕድጓድ ምስ ተኸፍተ፡ እታ ሳምሶናይት ተሰይራ ጸንሐት። ከም ዝኸድዐ ድማ ተወሳኺ መረጋገጺት ኰነት።
በዚ መሰረት፡ እቲ ዝኸድዐ ሰብ ዝፈልጦ ኩሉ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝርከብ መኸዘኒታት ተቐይሩ። ምዕራብ፡ ከም ማእከላይ ቦታ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ምንባሩ መጠን፡ ብዙሕ ኣጽዋር’ዩ ዓቂቡ ነይሩ። ክሳብ ካልእ ውሑስን ዘተኣማምንን ቦታታት ዝጽናዕ፡ ህጹጽ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ካብቲ ዝጸንሖ ከም ዝዘብል ተገብረ። ኣብ ታሪኽ ድሕሪ መስመር፡ እዝን እቲ ኣብ ገርገር ዘጋጠመን ክድዓታት፡ ንስራሕ ኣባላት ኤምዳድ ካብ ዝሃሰዩ ቀንዲ እዮም።
ይቕጽል
ደበሳይ ተስፋዝጊ
ማ/ምርምርን ስነዳን
ቤ/ጽ ሓለቓ ጠ/ስታፍ
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Met with H.E. Mrs. Véronique Dockendorf, Permanent Representative of Luxembourg to the @UN. Discussed issues pertaining to the multilateral system and developments in the Horn of Africa.
The discussion focused on growing concerns over developments in #Ethiopia, including the increasingly belligerent rhetoric and actions of the ruling Prosperity Party (PP), amid the international community’s failure to ensure accountability for grave crimes committed against the people of #Ethiopia in #Afar, #Amhara, #Oromia, #Tigray and other regions.
For the past three years, the PP regime has threatened the sovereignty and territorial integrity of #Eritrea, including ambitions to annex #Eritrean territories.
Its surrogates increasingly convey the perception that such violations of international law will carry no consequences, further emboldening aggression and destabilizing the region.
Emphasized the importance of principled, consistent and credible international engagement, anchored in respect for sovereignty, territorial integrity, the Charter of the United Nations and international law.
Selective application of these principles and the normalization of threats and coercion risk undermining the credibility of the multilateral system and emboldening those who seek to advance their ambitions through force.
Agreed to further strengthen #Eritrea–#Luxembourg relations.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
World Children’s Day Observed at National Level
World Children’s Day, 20 November, has been observed at a national level at the Expo grounds in Asmara under the theme “Contribute to the Construction of a Righteous Generation”.
Ministers, senior Government and PFDJ officials and representatives of UN offices in Eritrea attended the event.
Mr. Tesfu Solomon, Director of Child and Family Safety at the Ministry of Labor and Social Welfare, noted that the Eritrean society have rich culture and values in treating and handling children that have been transferred from generation to generation.
Mr. Tesfu said that the Eritrean Government has invested substantially in children believing that nurturing a capable and productive generation is an integral part of nation-building process.
Mr. Samuel Ocran, UNICEF Representative in Eritrea, said that the Eritrean Government has made considerable efforts to raise a responsible, knowledgeable and productive generation. He cited Eritrea’s ratification of the Convention on the Rights of the Child and its accession to the Convention on the Rights of Persons with Disabilities as evidence of that commitment.
The event featured cultural performances and a photographic exhibition marking the occasion.
This year marks the 35th national observance of World Children’s Day and the 68th international observance.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Successful Maxillofacial Surgery at Orotta Hospital
Eritrean medical professionals and a visiting US medical team, “Surgeons for Smile,” have successfully performed maxillofacial surgery at Orotta National Referral Hospital as part of a program running from 16 to 21 November.
The procedures included surgery for tumors of the head, chin and neck, as well as treatment for temporomandibular joint disorders, facial paralysis, cysts, cleft lip and cleft palate.
Dr. Nazrawi Mehari, a dentist at the hospital, said that the American surgeons have been performing maxillofacial surgery in Eritrea twice a year since 2007.
Dr. Nazrawi said that 45 patients from across the country, ranging in age from six months to 70 years, have undergone surgery under this year’s program.
Dr. Nazrawi noted that Eritrean and visiting specialists benefit from sharing their experience and that successful operation has been performed supported by modern technology.
Dr. Edward Zebovitz, representing the American medical team, said that the team focuses on conditions that can be treated surgically. He added that Eritrean specialists continue to develop their skills and gain experience.
Dr. Adam Tesfu, who is taking part in the program, said that many patients have benefited from the surgery and that the program has helped Eritrean professionals strengthen their surgical skills. He urged members of the public experiencing facial problems to seek care at a health facility.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Eritrean Delegation Participates in OACPS Meetings in Brussels
An #Eritrea|n delegation led by Mr. Negasi Kassa, Eritrea’s Ambassador to the European Union and the Benelux countries, took part in the 65th session of the Council of Ministers of the Organization of African, Caribbean and Pacific States (OACPS) and the OACPS-EU Joint Parliamentary Assembly. The meetings took place in Brussels, Belgium, from 8 to 13 November.
At the Council of Ministers session, participants discussed how member states could cover the costs of activities previously financed by the European Union. The session also proposed contributions ranged from 5,000 to 50,000 euros per member state.
At the Joint Parliamentary Assembly, participants discussed sustainable financing, efforts to combat climate change and issues relating to basic raw materials. They also discussed global security and stability in the context of an emerging multipolar system and shifting geopolitical relations.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
International Children's Day commemorated at the Expo Compound in Asmara today in the presence of senior Government and PFDJ officials and Members of the Diplomatic Community under the theme: "Let us all Contribute to the Construction of a Righteous Generation".
Keynote speech and Remarks by Mr. Tesfu Solomon, Director for Safety of Children at the Ministry of Labour and Social Welfare; and, Mr. Samuel Ocran, Resident Representative of UNICEF in Eritrea, respecitvely.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
“ብቚሪ ርእሲ ዓዲ ተሓሊብና ሓዲርና፡ እታ ገድሊ ድማ ሽዓ’ያ ትጅምር” - ጽገሬዳ ፍስሃ (ጋንዲ)
ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
ፍስሃ ወልደማርያም ትበሃል። በታ ካብ ወላዲኣ ዝወረሰታ “ጋንዲ“ ትብል ሳጓ እያ ዝያዳ ትልለ። ኣብ ኣስመራ ገዛ ባንዳ ተወሊዳ ዓብያ። ዕድመኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ናይ መዋእለ ህጻናትን መባእታን ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንዳማርያም፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤት ገርግሽ፡ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርታ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀ.ሃ.ስ ናይ ሕጂ ቤት ትህምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተኸታቲላ። ብድሕሪ’ዚ ምስ’ቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ውዕዉዕ ጽልዋ ናይ ሰውራ፡ 9ይ ክፍሊ ትምህርታ ኣቋሪጻ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1974 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈትን ብዙሕ ኣበርክቶ ዘለዋን ገዲም ተጋዳሊት እያ። ምቕሉልን ሕዉስን ባህሪ ዘለዋ፡ ዋዛን ጭርቃንን እተዘውትር ተጋዳሊት ጋንዲ ምስ ውህሉል ገድላዊ ተመኵሮኣን ኣበርክቶኣን ኣብ ሰውራ ኤርትራን ድሕሪ ናጽነትን ኣመልኪትና ምስኣ ዝገበርናዮ ቃለ መጠይቕ ይስዕብ፥
- ፈለማ ስምዒት ናይ ቃልሲ ብኸመይ’ዩ ሓዲሩኪ፡ መን’ዩ ጸልዩኪ፡ በየን ወጺኺ፡ ከተዕልልና፧
ኣብ’ቲ ፈለማ ዝተሰለፍናሉ ግዜ ኣዝዩ ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስን ዘረባታትን ዝስማዓሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ በዚ ኣለዉ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ በቲ ተራእዮም፡ ሓሊፎም ኢሎሞም፡ ሃይለስላሰ ኣንጭዋ በሊዓቶ ኢሎማ” ዝበሃለሉ ውዑይ ንቃልሲ ዝቕስቅስ ዕላላት ንሰምዕ ነይርና። ኣብ ርእሲ’ዚ ከኣ፡ ብውሽጠ-ውሽጢ ውዳበታትን ምንቅስቓስን ናይ ተማሃሮ’ውን ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ወደብቲ ናይ ህ.ሓ.ሓ.ኤን፡ ተ.ሓ.ኤን ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ናይ ቃልሲ መንፈስና የተባብዑናን የበራትዑናን ነይሮም። ንሕና ፈለማ ናብ ተ.ሓ.ኤ ኢና ክንስለፍ ንሓስብ ነይርና። ምኽንያቱ ምስቲ ቈልዑ ምንባርና፡ ክልቲኡ ንናጽነት ዝቃለስ ውድብ ደኣ እምበር፡ ፍልልዩስ ግደ ሓቂ ንፈልጦ ኣይነበርናን። ክንስለፍ እናሓሰብና እንከለና፡ ኣብ ወኪ ዛግር ኣኼባታት ናይ ቃልሲ ከም ዘሎ ንሰምዕ’ሞ፡ ምስ ሓንቲ ኣብርሀት (ጓል-ፋኖ) እትበሃል መተዓብይቲ፡ ካብ ገዛና መሊቑና በበይንና ናብ ዛግር ነምርሕ። ንዓይ፡ ኣብ ገዛና ሓንቲ ጓ ልወኪ ስለ ዝነበረት፡ ሒዛትኒ ትኸይድ። ኣብኡ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ንውዕል። ነገር ቈልዓ ንህዝባዊ ሓይልታት እንታይ ንብሎም ነይርና ይመስለካ ወይ እንታይ ኰይኖም ይስምዑና ነይሮም፡ ከም’ዚ ናይ ኣመሪካ ቅዲ ዘለዎም ወተሃደራት እዮም ዝመስሉና ነይሮም። ናይ ብሓቂ እቲ ሰዓቶም፡ ቀጠልያ ጃኬቶም ምስ ረኣናዮም ተደኒቕና። “ወይለይ እዚኦም ደኣ ሓቆም እንድዮም ናይ ኣመሪካ እንድዮም” ኢልና ተገሪምና።
- ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራኸ፧
ይገርመካ’ዩ ናይ ነገር ቈልዓ እንድዩ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ከኣ ከም ተጋደልቲ። ብዝዀነ ኣብ ወኪ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ተጋደልቲ ነይሮም፡ ኣብ ዛግር ከኣ፡ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝነበሩ ምሉእ መዓልቲ ንየው -ነጀው ክንብል ውዒልና። ናይ ክልቲኦም ኣኼባታት’ውን ሰሚዕናዮ።
- እንታይ ኴንክን ኢኽን ሓንሳብ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሓንሳብ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ኰለል ክትብላ ውዒልክን፧
ክንስለፍ ንሓስብ ስለ ዝነበርና፡ ሓፈሻዊ ስእልን ግምታትን ናይቲ ቓልሲ ክንወስድ ኢና ከይድና። ብዝዀነ፡ ስዉእ’ዩ፡ የማነ ኣባግራይ ዝበሃል ነዛ መሓዛይ መምህራ ዝነበረ ኣብ ዛግር ንረኽቦ። እንታይ ክትገብራ ደኣ መጺእክን ይብላ። “ንሕናስ ክንጋደል ኢልና ኢና መጺእና፡ ኣብ ዛግር ኣኼባ ኣሎ ስለ ዝሰማዕና ኢና መጺእና” ትብሎ። ንሱ’ውን፡ ብዙሕ ኣማኺሩና። ብድሕሪኡ ንገዛና ንምለስ። ኣነ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ እየ ወጺአ ውዒለ፡ ኣምስየ ንገዛ ከይተመለስኩ ዝሓደርኩላ እያ።
- እንታይ ኴንክን ደኣ ናብ ገዛኽን ዘይኣተኽን፡ ምሽ ተመሊስክን፧
ምስ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ተጻዒንናን ተሓዊስናን እናመጻእና እንከለና፡ ጸላኢ ኣብ ኬላ፡ “እዚአን ናይ ወንበድየ ስሩዓት እየን” ኢሎም ኣብ’ዚ ሕጂ 2ይ መደበር ዘሎ ቦታ፡ ኣብ ካርሸሊ ኣሲሮምና ሓዲሮም። ምሉእ ለይቲ ከከላብቱና ሓዲሮም። ደሓር ምስቲ ኣዚና ንኣሽቱ ምንባርና፡ “እንታይ ክትገብራ ከይድክን” ምስ በሉና፡ “እንድዒ ንሕና’ሞ፡ እንታይ ንፈልጥ ይኸዱ ኣለዉ ኢልና ኢና ከይድና“ ኢልናዮም። “ኪዳ-ኺዳ” ኢሎም ሰዲዶምና። ካብኡ ንደሓር ብፍላይ ምሒር ስምዒት ክሓድረና ጀሚሩ። ብፍላይ እዛ ጓል-ፋኖ ዝበልኩኻ መሓዛይ እንታይ ትብለኒ፡ “ንሓደ ኣብ ውሽጣዊ ስርሒት ዝነጥፍ ዝነበረ መምህረይ ረኺበዮ ነይረ። ብዙሕ ሓበሬታታት ሂቡኒ ኣሎ፡ እቶም ዝሓየሉን ዝበርትዑን ውድብ ናይቲ ቓልሲ፡ ህ.ሓ.ሓ.ኤ እዮም። ስለ’ዚ ናብኦም ኢና ንስለፍ” ትብለኒ። ኣነ ከኣ “ሕራይ” ኢለያ።
- ንኽትስለፋ ተዳሊኽን ማለት ድዩ፧
እወ። እዚ ዝበልኩኻ ሰብ፡ “ኣብ ከምዚኣ ዕለትን መዓልትን ምጽኣ” ኢሉና። ክንከዶ ኢልና ኣብ’ታ ዝተቛጸርናላ መዓልቲ ብግስ ምስ በልና፡ ብርቱዕ ውግእ ሓድሕድ ተጀሚሩ። በዚ ዓዲ ንፋስ ኢና ተቛጺርና ነይርና። ነቲ መንገዲ፡ ሰራዊት ጸላኢ ተኸስኪሶሞ።
- እንታይ ደኣ ገበርክን፧
እንታይ’ሞ ክንገብር፡ ካብ ቆጸራና ተሪፍና። እንታይ ይመስለካ ኣብ’ታ ዕለታን ሰዓታን እንተ ደኣ ዘይተረኺብካ፡ እቲ ዝወስደካ ሰብ ኣይጽበየካን እዩ። ኣይቀርበካን እዩ ከማን። ብማዕዶ ኰይኑ እዩ ዝከታተለካ። ዝዀነ ጸገማት ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ልዑል ናይ ምክትታልን ትዕዝብትን ክእለት እዩ ዘለዎም። ቀለልቲ ሰባት ኣይኰኑን። ብዝዀነ ተሪፍና። ኣብ’ዚ ከም ፍታሕ ትኸውን ሓንቲ ጽብቕቲ ዕድል ተጋጥም።
- እንታይ እያ ንሳ፧
ንሓንቲ ምሳና ዝነበረት መሓዛና ኣቦኣ ምስ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ፡ ግደ ዝበሃል ሰብኣይ ነይሩ። ኣብርሀት ምስ ተዛረበቶ፡ “ባዕለይ ክወስደክን’የ፡ ከመይ ገይረ ከም ዝወስደክን ናባይ ግደፈኦ” ይብለና። ከይጸንሐ ከኣ፡ ብሰዪ ቸንቶ መኪና ገይሩ ይወስደና። ኣብ ክንዲ ኮንጎ ከምዚ ናይ ስፖርት ጫማ ዝመስል ትገብራ ይብለና። ከምዚ ንመገሻ ናብ ዓዲ ንኸይድ ዘለና ተመሲልና ከኣ፡ ብዓዲ ንፋስ ኣቢልና ንወጽእ። እቲ ከፋንወና ዝተበገሰ ኣውቲስታ ክሳብ ዓዲ ንፋስ ኣብጺሑና ይምለስ፡ ንዓና ከኣ ግደ መሪሑና ብኣኣ ገይርና ንድርፎ ንወርድ። ኣብ ድርፎ ብዓል ስዉእ ስዒድ ፈረጅ፡ እስቲፋኖስ ዳኘው... ዘለውዎም ተጋደልቲ ይቕበሉና። እትው ምስ በልና እንታይ ይብሉና፡ “ክትጋደላ ዲኽን መጺኽን፧” “እወ ክንጋደል መጺእና”፡ “እሞ ንስኻትክን ንኣሽቱ ኢኽን ክትምለሳ ኢኽን። ኣብኡ ኴንክን ክትሰርሓ ኢኽን” ይብሉና። ንሕና ከኣ፡ “ኣይንምለስን” ንብል። ምኽንያቱ ጸላኢ እውን ክፈልጠና’ዩ፡ ክቐትለና እዩ። “ኣብኡ ካብ ዝቐትሉና፡ ኣብዚኣ ምማት ትሕሸና። ስለዚ መዲብና ስለ ዝመጻእና ኣይንምለስን ኢና” ኢልና ኣቕቢጽናዮም። በበይንና ገይሮም እውን ከረድኡና ፈቲኖም። ቃልና ግን ሓንቲ እያ ነይራ፡ “ኣይንምለስን” እትብል እያ። ብዝዀነ ናይ ንግሆ እንዲና ኣቲና፡ ውዒልና ናይ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5፡00 ምስ ኰነ ናብ ርእሲ ዓዲ ንብገስ። ርእሲ ዓዲ ጠጠው ዝበለ ጎቦ እዩ። መንገዲ ከይድና ኣይንፈልጥን ኢና - ንመጀመርታና እዩ። ሒዞምና ከይዶም። ዘይርስዓኒ ኣዚና ደኺምና፡ ኣብ ደንበ እንዳቦይ መሓሪ ዕቝባዝጊ ሓዲርና። ኣብኣ ብራሕ ሰቲና ንእሽቶ ነዕርፍ። መቸም እታ ገድሊ ሽዓ እያ ትጅመር። ብቑሪ ክነግረካ ኣይክእልን እየ - ተሓሊብና ክንመውት። ብለይቲ ናብ ርእሲ ዓዲ ደይብና። ኣብኡ ምስ ከድና ከኣ፡ ሓይሊ ወዲ መሓሪ ዕቝባዝጊ ተቐቢላትና። ዘገርም ነገር’ዩ፡ ኣብቲ እንዳ ኣቦኡ ደንበ ሓዲርናስ፡ ንሱ ከኣ መራሒ ሓይሊ ኰይኑ ተቐቢሉና። ብዝዀነ ጽቡቕ ተቐቢሎምና። ኣብቲ እዋን መሓመድ ስዒድ ባረ ኮምሽነር ነይሩ። ብዓል ወዲ ፖሊስ (ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተሰዊኡ) ይቕበሉና። ክልቴና ጥራሕ ኢና ነይርና ደቂ-ኣንስትዮ። ደሓር መርየም ሕድግን ጸሃይነሽ ሓጐስን ዝብሉወን፡ ብዙሕ ግዜ ንኽስለፋ ዝመላለሳኦም ዝነበራ፡ ኣብታ ሽዓ እዋን ይመጽኣና። ንዕአን’ውን ተቐቢሎመን። ንኣርባዕቴና ድማ፡ ሓፈሻዊ “ገድሊ እንታይ ማለት እዩ፧ ስለምንታይ ትጋደል፧” ዝብል ሓውሲ ትምህርትን ሓበሬታን ይህቡና። ብድሕሪ’ዚ ኦርኒክና መሊእና ንታዕሊም ንዳሎ።
- ድሕሪ’ዚ ኣበይ ተዓለምክን፧
ኣብ እንዳ ደግያት ወይ ሰብር ሰጊ ዝበሃል ቦታ ሰሜናዊ ባሕሪ ንታዕሊም ወሪድና። መሪሕነት ውድብ’ውን ኣብኡ’ዩ ነይሩ። ብዓል ብጻይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዘለውዎም መሪሕነት ናይቲ ውድብ ጸኒሖምና። ኣብኡ ሓደ 2 መዓልታት ዝኸውን ኮፍ ምስ በልና፡ ኣብኡ’ውን ደቂ ኣራዊት ጸኒሖምና። ይመሃሩን ይዕለሙን ነይሮም።
- መን እዮም ደቂ ኣራዊት፧
(ሰሓቕ) ዝወደይ ደቂ ኣራዊት ማለት እዞም ኣብ ከተማ ኣትዮም ዓበይቲ ስርሒታትን ንጥፈታትን ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት እዮም። ከም ብዓል ቫይናክ፡ ኣሽዓል ወዲ ዘርአ ዝኣመሰሉ . . . ዳርጋ ዝበዝሑ ተሰዊኦም እዮም። ኣብኡ ንፍሉይ ስርሒታት ናይ ከተማ ክዕለሙ ይጸንሑና። ንሕና ግን፡ ጀመርቲ ኢና። ሓደ ናይ ፖለቲካ መምህር፡ ክልተ ከኣ ጸጋይ ዓዲ ንፋስን ሰማሊኖን ዝበሃሉ ዓለምቲ ገይሮምልና። ክልቲኦም ተሰዊኦም እዮም። 26 ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ሰለስተ ወርሒ ተዓሊምና ወጺእና። ብዓል ዶ/ር ሰናይት ባህታ ዘለውኦ ማለት’ዩ። ደሓር እውን ናይ ፖለቲካ መምህርና ኰይና። ካብ ኣዲስ ኣበባ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ እንከላ‘ያ መጺኣትና። ምስ ብዓል ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ዶ/ር ብእምነት፡ ሰናይ ዝእመሰሉ ማለት’ዩ። ብሓፈሻ እዞም ተመሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ መንእሰያት ሓያል ድሌትን መንቋሕቋሕታ ናይቲ ቃልሲ ዝነበሮምን ውዱባት ዝነበሩን እዮም ነይሮም።
- ድሕሪ ታዕሊምከ ናበይ ኣበልክን፧ ናበይ ተመደብክን፧
ክትምደብ እንከለኻ ናብ’ዚ እየ ዝደሊ ኣይትብልን ኢኻ። ተጋዳላይ ከም ባህሊ ከምኡ ኣይብልን እዩ። ምስ ዝሕተት ከኣ፡ ኣብ ዝተመደብኩዎ ኢኻ ትብል። 7 ዝዀና ናብ ሓይልታት ይኸዳ። ዝፋን ኣፈወርቅን ኣብርሀት ጓል ፋኖን ክልቲአን ናብ መስርዕ ደቂ ኣራዊት ይጽንበራ። ዝፋን፡ ደሓር ተሰዊኣ እያ። ገሊአን ከኣ ኣባላት ሕክምና ኰይነን ናብ ግንባራት ናብ ሓይልታት ይኸዳ። ኣነ ዘለኹወን 6 ድማ፡ ናብ ክፍሊ ጀማሂር ንምደብ። እዘን 6 ኣዋልድ፡ ክሳብ ናብ ቦታና ንድይብ፡ ኣብ ባሕሪ ባራ ጽንሓ ንበሃል። ኣብኡ ድማ፡ ንዝተወሰነ እዋን ንጸንሕ። ድሕሪ ግዜ ናብ ከበሳ ምስ ደየብና፡ ውግእ ናይ ብዓል ዓዜን ኳዜን ይኸውን። “ጀማሂር እንታይ ማለት’ዩ፧ ህዝባዊ ምምሕዳር’ከ” ዝብል ንህዝቢ ከተንቅሕን ክትውድብን እንተ ደኣ ዄንካ፡ ቁሩብ ኣስተምህሮ ክወሃበካ ኣለዎ። ኣጋጣሚ ኣይተኻእለን። እተን ክልተ ጽገሃናን ኣኽበረትን ዝበሃላ ኣብ ከበሳ ይዀና፡ ክልተ ከኣ ናይ ቋንቋ ትግረ ክእለት ስለ ዝነበረን ናብ ብዓል ሽዕብ ገድገድ ይኸዳ። ኣነን ሰናይት ባህታን ግን፡ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ክፍሊ ዜና ናይ ከበሳ ንምደብ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ኢብራሂሞን፡ ጸዓዱ (ወጻእተኛታት) ሰኣልቲ ሒዞም ይዘሩ ስለ ዝነበሩ፡ “ክሳብ ዜና ኣጸቢቑ ስራሑ ዝጅምርን ዝውደብን ንስኽን ክልቴኽን ኣብዚኣ ክትጸንሓ ኢኽን” ይብሉና። ምስ ብጻይ ኣስመሮም ገ/ሄር፡ ንግዜኡ ኣብኡ ንጸንሕ። #Eritrea
ይቕጽል...
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Information note🇪🇷
#Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ኣብ ዝኾነ ይኹን ፈተና ዘይንብርከኹ ጽኑዓት ኣኽራናት ኤርትራ ንሰላምን ክብርን ሃገርና ህይወቶም ዝወፈዩን ዝውፍዩ ዘለዉ ጅጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ይኹኖም:: #Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Public Seminars on National Resilience Held in Nine US Cities
Public seminars on national resilience were held in nine US cities on 14 and 15 November.
At the seminars in Dallas and Houston, Mr. Berhane Gebrehiwet, Chargé d’Affaires at the Eritrean Embassy, briefed nationals on the current situation in the homeland and on regional developments.
Mr. Berhane attributed the Eritrean people’s victories to their unity and the strength of their public organizations. He said that the contributions nationals have made at every stage have strengthened national resilience and called on them to play a greater role in national affairs.
Ms. Hadinet Keleta, head of Public and Community Affairs, held seminars for nationals in Lewisville and Indianapolis. Mr. Al-Nur Humed, head of Consular Affairs, held seminars in St. Louis and Des Moines. Dr. Gideon Abay and Mr. Mihreteab Andebrhan, heads of Eritrean national committees, held similar seminars in Grand Rapids, Nashville and Sioux Falls.
The participants said they were following developments closely and expressed their readiness to devote their time and skills to safeguarding the sovereignty and territorial integrity of their homeland. #Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
President Isaias Receives Credentials of Six Ambassadors
President Isaias Afwerki today received the credentials of six ambassadors accredited to Eritrea at a ceremony at the Denden Guest House.
The ambassadors who presented their credentials were Mr. Phillip M. Modise of the Republic of South Africa, Mr. Daniel Losada Millar of the Kingdom of Spain, Dr. Rita Viktoria Herencsar of Hungary, Mr. Park Sang-Tae of the Republic of Korea, Mr. Abdullah bin Nasser-Rahbi of the Sultanate of Oman, and Mr. Mirko Giulietti of Switzerland.
The Ambassadors conveyed messages of goodwill from their respective heads of state and government to President Isaias Afwerki. They also expressed their commitment to strengthening ties of friendship and cooperation between their countries and Eritrea.
Ambassador Phillip M. Modise of South Africa and Ambassador Abdullah bin Nasser-Rahbi of Oman expressed their countries’ readiness to strengthen friendly relations with Eritrea and expand cooperation across various sectors.
Mr. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs, and Mr. Amin Hassan, Director of the Office of the President, attended the occasion. #Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Ethiopia’s Prosperity Party Theatrics to Disguise Aggression as ‘Self-Defense’: Too Little, Too Late!
Research and Documentation Division
Ministry of Foreign Affairs
19 November 2026
...Three years after publicly declaring its policy of aggression against Eritrea and other countries in the Horn of Africa under the banner of 'securing sovereign access to the sea, by any means necessary', the Ethiopian Government seems to have belatedly realized that this illegal, anachronistic and destabilizing policy is internationally and legally indefensible. Abiy Ahmed and his ruling party have subsequently shifted gear to desperately revert to the manufacturing of a new pretext to mask the expansionist agenda under the spurious mantle of 'self-defense”.
*"...The Ethiopian Government’s policy of expansionism which continues to fuel conflict and destabilization across the Horn of Africa is formally documented in the 'The Grand Strategy of the Two Waters'. This Strategy was launched with significant media fanfare on 29 February 2024, by the Institute of Foreign Affairs (IFA), which operates under the auspices of the Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia. But the full document was not disseminated publicly due to its subversive contents and related apprehension of potential and inevitable backlash".
*"...In a nutshell and when the diplomatic doubletalk or veil is removed, the Strategy is starkly exposed for what it is: a shameless blueprint for land-grabbing by leaders who know full well that their legal arguments are a total sham".
*"...While the Prime Minister and his political and military officials continue to incessantly talk about Ethiopia’s right to ‘sovereign access to the sea’, they are fully aware that there is no legal basis for it. Moreover, as Prime Minister Abiy admitted in his speech of 13 October 2023, Ethiopia’s neighboring countries have made it abundantly clear that there are no barriers for Ethiopia’s commercial access to the sea through bilateral negotiations, but their sovereignty is not negotiable under any conditions".
shabait.com/2026/11/19/ethio…






































